ማሕበራዊ ረደኤት ትግራይ (ማረት) ዝተፈለላዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ (Electronics materials) ብጨረታ ኣወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ።

የትግራይ ተራድኦ ማህበር

ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 613 (200.00) ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክወስዱ ይኽእሉ፤

2 ተጫረቲ ንግዲ ፍቃድ ዝተመዝገበሉ ናይ ቫት ሰርቲፊኬትን ፣ ቲን ቁፅሪ ፣ ዝተመዝገብኩም ምዃንኩም መረጋገፂ ክተቅርቡ ይግባእ።

3 ተጫረቲ ካብ ዘቅረብዎ ጠቅላላ ዋጋ 2% (ክልተ ካብ ሚኢቲ) ናይ ጨረታ ውሕስና መክበሪ ሕጋውነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ኣለኩም።

4 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ሰነድ ብዝተኣሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀኣሉ ዕለት ማለት 25/03/2011ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 11/04/2011 ዓ/ም ሰዓት ሓሙሽተ 5:00 ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት እናመፁ ሰነድ ጨረትኦም ከቅርቡ ይኽእሉ።

5 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት ድማ 11/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ኣብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸበሉ ይኽፈት። ከምኡውን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንክፈት ምዃና ንሕብር።

6 እቲ ዝተውሃበ በዝሒ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን። እቲ ዝመላእኩዎም ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ።

7 ሕድሕድ ገፅ ማሕተም ዕለትን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ። ከምኡ ድማ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን።

8 ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specification) እቲ  መእዘዚ ሰነድ ድማ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል።

9 እቲ ድርጅት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-406300/406640 ምድዋል ይከኣል።

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo