ቤት ፅሕፈት ቤት ፍርዲ ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እምባ ኣላጀ ነቲ ወረዳ ኣገልግሎት ዝውዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት፣ኣቅሑት ቢሮ፣ ኣቅሑት ፅሬት፣ ኮምፒተርን ተዛመድትን፣ ሕትመት ፣ መፀገኒ ኣቅሑት ኮምፒዩተር፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

የእምባ ኣላጀ ወረዳ እቅድና ፋይናንስ ጽህፈት ቤት

ነዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዝተመዝገበ ምዃኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል

3 ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኾነን ና ይ ወርሒ ሓምለ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል

4 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል፤

5 መኸበሪ ጨረታ 3000.00 ( ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ) ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል፤

6 ሰነድ ጨረታ ካብ 29/02/2011 ዓ/ም -13/03/2011ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ዘይምለስ 50.00 (ሓምሳ ቅርሺ ) ብምኽፋል ካብ  ቤት ፍርዲ ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እምባ ኣላጀ ምውሳድ ይከኣል።

7 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ እዋን ንተኸታታሊ 15 መዓልቲ ይኸውን።

8 ሰዓራይ ጨረታ 10% ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ቅድሚ ውዕሊ ምእሳሮም መኸበሪ ውዕሊ ከትሕዙ ኣለዎም።

9 ካብ መረከቢ ውዕሊ ዘሕለፈ በቢ መዓልቱ 100.00 ቅርሺ ዝቅፃዕ እንትኾኑ ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምጭብርባር ዝፈተነ ተጫራታይ ብሕጊ ተሓታታይ ይኸውን።

10 ኣብ ሰነድ ጨረታ ግልፂ ዘይኾነ ብፅሑፍ ምሕታት ይከኣል።

11 እቲ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልዩዎ ናይ ተጫራታይ ማህተምን ፊርማን እንተዘይዓሪፍዎን ካብ ጨረታ ክስረዝ ይኽእል እዩ።

12 ሰነድ ጨረታ ሓደ ዋናን ሓደ ቅዳሕን ኣብ ክልተ ፖስታታት ከቅርብ ኣለዎ።

13 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ ንመሳርሒ ፅሕፈት 13/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ይኽፈት።

14 ናይ ኮምፒተርን ተዛመድትን  13/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8:30 ይኽፈት።

15 ንመፀገኒ ኣቅሑት ኮምፒዩተርን 13/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:30 ይኽፈት።

16 ንሕትመት 14/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅ.ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ይኽፈት።

17 ንኣቅሑት ቢሮ 14/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድ.ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8:30 ይኽፈት።

18 ንኣቅሑት ፅሬት 14/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:30  ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

19 ዋጋ ጨረታ ን15 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ።

20 ሰዓራይ ኩባኒያ ሰዓራይ ምዃኑ  ካብ ዝተፈለጠሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ከቅርብ ዝኽእል

21 ናይ መጓዓዓዝያ ብተጫራታይ ይሽፈን።

22 ኣብ ዝተገበረ ጨረታ 20% ናይ ምውሳኽ ወይ ምቅናስ ይኽእል እዩ።

23 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ 0344-210164/0344-210407 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo