ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት ንናይ ከተምኡ ኣብያተ ፅሕፈት መካይን አገልግሎት ዝዉዕል ናይ ሎደርን ናይ አናሽተይ መኪና መለዋወጢ ካብ መደበኛ በጀት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

የዓዲግራት ከተማ እቅድና ፋይናንስ ጽህፈት ቤት

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩምን በቲ ዘፈር ዝተሐደስ ፍቃድ ንግዲ ቅዳሕን ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ናይ ነጋዳይ መፍለይ ቁፅሪ ቲን ናምበር ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ ሚያዝያ ሒሳብ ዘፈለጥኩምሉ መረደእታ ቅዳሕን ምስ ዋንኡ ክተቅረቡ እትክእሉ

4 ተጫረቲ እዚ ጨረታ ካብ 22/9/2010 ዓም ጀሚርኩም ክሳብ 6/10/2010 ዓም ሰዓት 11:30 ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት ምወሳድ ትክእሉ

5 ተጫቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ንመከበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዙ ይግባእ

6 ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት ዝርከብ ኮይኑ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ንተጫረቲ ክፍቲ ይከዉን

7 ሳንዱቅ ጨረታ 7/10/2010 ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓተ 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ከተማ ዓዲግራት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

8 እቲ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ አይግባእን ስርዝ ድልዝ እንተሃልዎ ግና ፊርማ በዓል ዋና ክህልዎ ይግባእ

9 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ትመልእዎ ዋጋ ነዚ ዝሐወሰ ክከዉን አለዎ

10 አብቲ ዝተመልእ ዋጋ ብዝዕባ ተወሳኪ እሴት ታከስ ዘይተገለፀ እንተኮኑ እቲ ዝተመልእ ዋጋ ምስ ቫቱ ከምዝተመልእ ተሓሳቢ ይግብር

11 ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ሰነድ ማሕተምን ፌርማን ናይቲ ትካል ክግበረሉ ይግባእ

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ወይድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344450940 / 0344450282 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo