ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወርዒ ለከ ንአገልግሎት ኣብያተ ፅሕፈት እታ ወረዳ ዝዉዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት : ኣቅሑት ፅሬት: ኣቅሑት ኤለክትሮኒክስን አቁሑት ቢሮን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድይ ይደሊ

የወርዒ ለኸ ወረዳ እቅድና ፋይናንስ ጽህፈት ቤት

1 ተጫረቲ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝኸፈሉን ናይ 2010 ዓ/ም ፍቓድ ንግዶም በቢ ዘርፉ ዘሐደሱን ዘቕርቡን Â

2 ተጫረቲ ኣብ መቕረባይነት ዝተመዝገቡን ኣብ 2010 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቕረባይነት መለለይ ካርድ ከቅርቡ ዝኽእሉ

3 ተጫረቲ ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ /TIN/ ከቕርቡ ዝኽእሉ

4 ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገቡን በቢወርሑ ናይ ግብሪ ኣካቢ ኣካል ቫት ዲክለር ዝገበሩ ምኻኖም መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪኦም በቢዘፈሩ ብጥረ ገነዘብ 3000 ብር ወይ ብዝተረጋገፀ ቼክ ስፒኦ ከትሕዙ ዝኽእሉ

6 ጨረታ ዘሸነፉ ተጫረቲ ዉዕል ንክኣስሩ ምስተኣወጀ ድሕሪ ናይ ጥርዓን 3 መዓልቲታት ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ቀሪቦም ናይ ዘሸነፍዎ 10% ዉዕሊ መኽበሪ ብምትሓዝ ዉዕሊ ናይ ምእሳር ግቡእ ኣለዎም

7 ሰዓርቲ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ ብናይ ባዕሎም መጎዓዓዚ ናብ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ኣታዊ ክገብሩ ዝኽእሉ

8 ዝተዳወ ሰነድ ጨረታ ነናይ ባዕሉ ዘርፊ ካብ ዕለት 2/9/2010 ጀሚሮም ክሳብ 17/09/2010 ዓም ካብ ፅሕፈት ምዉሳድ ይኽእሉ

9 ጨረታ ዕለት 17/09/2010 ዓም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ 17/09/2010 ዓም ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወ/ወ/ለኸ ክፍሊ ቁፅሪ 03 ዝኸፈት ይኸዉን

10 ጨረታ ምስተኸፈተ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን20 ተኸታታሊ ናይ ስራሕ ማዓልታት ጥራሕ እዩ

11 እቲ ከይዲ ስራሕ ጨረታ ምስተከፈተ ከም ኣድላይነቱ ናይቲ ኣቕሓ መጠን ክሳብ 20% ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይኽእል

12 ፅሬት ኤለክትሮኒክስ ዝምልከት ኣቐዲሙ ዝተነፀረ ብሳምፕል ወይ ኦርጅናል ኣቐሓ ብባዓል ሞያን ብኮሚቴን ብምርግጋፅ ቅቡል ዝግበር ይኸዉን

13 ቤት ፅሕፈትና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወÂ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 03 43 46 02 82 ወይ 03 43 46 00 88 ደዊልኩምÂ ምሕታት ትኽእሉ

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo