ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ንዝተፈላለዮ ሴክተራት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ አወዳድር ክዕድግ ይደሊ

የሓዉዜን ወረዳ እቅድና ፋይናንስ ጽህፈት ቤት

ስለዚ ክትጫረቱ እትደሊ ንክትወዳደሩ ንዕድም:

በዚ መሰረት ነቲ ዝድለ ረቁሓታት ተጫረቲ

  1. በቲ ዝተጠቀሰ ዘርፍ ንግዲ ፍቃድ ዝተሐደሰ ዘለኩም::
  2. ናይ 2009 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈልኩም::
  3. ቲነ ካርድ መረዳእታ ዘለኩም::
  4. ቫት ተመዝገበቲ ዝኾንኩም::
  5. ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ዲክለራስዩን ዝገበርኩም::
  6. ናይ መቅረባይነት ሴርትፊኬት ኣተሓሒዙ ዘቅርብ::
  7. ቅድሚ ጨረታ ነቲ ጨረታ መኽበሪ 3000(ሰለስተ ሺሕ) ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ባንኪ ዝተመስከረሉ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል::
  8. ናይቲ ሽያጥ ዝርዝር ዶኩሜንት ዘይምለስ 50 ብር (ሓምሳ ብር) ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ከ /ስ /ዕ /ንብ /ምም /ርን ቁፅሪ 01 ምዉሳድ ይከአል
  9. ካብ 20/ 03/2010 ዓ/ም ጀሚሩ ዝርዝር ናይ ጨረታ ዶክሜንት ብምዕዳግ ኣብ ናይ ባዕልና ዝተዳለወ ዶክሜንት ብምምላእ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ነንበይኑ አብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ዓሺግኩ አብ ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ቁፅሪ 01 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ይእቱ ::
  10. እቲ ዘይሰዓረ ተጫራታይ ዘትሓዞ ናይ መኽበሪ ጨረታ ቢድባንድ ሰዓራይ ምስተገለፀ ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት ይምለሰሉ::
  11. እቲ ጨረታ ዝሰዓረ ሰብ በቲ ዝሰዓረ ዋጋ ከቅርብ ፍቃደኛ እተዘኮይኑ ዘትሓዞ ቢድ ቦንድ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸዉን::
  12. ሰዓራይ ዝተገለፀሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5(ሓሙሽተ መዓልቲ) ተካታተልቲ ዉዕል ዝአስር
  13. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት ናይ ፅሕፈት መሳርሒ 5 /04 /2010ዓም ሰዓት 8:00 ተዓፅዮ ድሕሪ ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት
  14. ሰዓራይ ኣብ ዝተገለፀሉ ቀሪቡ ዉዕሊ እንተዘይ አሲሩ ብመምርሒ ዕዳጋ መሰረት ዝቅፃዕ ምኻኑ ::
  15. ሰዓራይ ንዝስዕሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ብምሽፋን አብ ወረዳ ሐዉዜን ትልምን ፋይናንስን አጉዒዙ ዘቅርብ::
  16. ብመምርሒ መሰረት ኣብ እንዕድጎ እንዕድጎ ንብረት መጠን 20 % ክንዉስክ ክንቅንስ ንክእል ኢና
  17. ብሰመሰረት ዝእተዉዎ ዉዕሊ ብዝድለ ፅሬት አብ ዝተደለየ ግዜ ንብረት እንተዘይ አቅሪቦም ብዉልቐን እቲ ድርጅትን ተሓተትቲ ከምዝከዉን
  18. ሰዓራይ ዉዕሊ ኣሲሩ እቲ ዝግዛእን ንብረት አበቲ ዉዕሊ አሲሩ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ዘረከበሉ ንብረት እንተዘይ አረኪቡ ብሕድሕድ መዓልቲ 1/1000 ተቀዒዑ እቲ ንብረት ተመሊሱ የረክብ ከሙኡ እዉን 10% ናይቲ ዝሰዓሮ ንብረት ይቅፃዕ
  19. ዝምላእ ዋጋ ናይቲ ንብረት ኦርጅናል ኮይኑ ብኦርጅናል ገንዘብ ክከዉን አለዎ
  20. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረከቡ ብምሉእ ወይ ብክፋል ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0346670078

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo