አብ ኢትዩያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሃገረ ስብከት ዓዲ ግራት ዉቅሮ ቅድስት ማርያም ኮሌጅ ንናይ ምምሃር ምስትምሃር ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ:ናይ ህንፃ መሳርሒ: ኮምፒተር ኣክሰሰሪ :ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት መሳርሒ: ናይ ፅሬት መሳርሒ :ናይ መምህርን ጋዉን ከምእ ድማ ጃህያ: ሑፃ :እምኒን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ዉቕሮ ቅድስት ማርያም ኮሌጀ

1 ናይ ቫት ተመዝገብቲ ምኻኖም መረዳእታ ዘቅርቡን ናይ ወርሒ መስከረም 2010 ዓ/ም ናይ ቫት ዲክላራሴን ዝገበርሉ መረዳእታ ዘቕርቡ

2 ናይ 2010ዓ/ም ንግድን ሞያን ፍቃድን ዘሐደሱን ምኻኖም መረዳእታ ዘቕርቡ

3 ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርተፊኬት CPO 2000 /ክልተ ሺሕ ብር ንሕንፃ መሳርሒን ንጃህያ:ሑፃ :እምኒን ኮይኑ ንካልኦት ዘርፊ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርተፊኬት ስፒኦ 1000 ብር ቅድሚ ጨረታ ዘቕርቡ

4 ብቢሮ ኤጀንሲ ልምዓት እቶት ናይ ግብሪ መለለይ ካርዲ ቲን ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ ዘቕረቡን አብ መቕረባይ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምኻኖም ምስክር ወረቐት ዘቕርቡ

5 ናይ ጨረታ ሰነድ ንሕድ ሕድ ዘይመለስ ብር 50 ከፊሎም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 20/02/2010 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 4/03/2010 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ አብዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ዓዲጎም ነፀላን ጠቕላላ ዋጋን መሊኦም ክቢ ማህተም ፊርማን ሽም ድርጅት ዓሪፈዎ ከምኡዉን ካብ ተቁ 1 ክሳብ 4 ዘለዉ መረዳእታታትን ሐዊሱ ብሽምዒያ ብዝተዓሸገ ፐስታ ናብ ዝተደለወ ጨረታ ሳንዱቅ ዕለት 4/03/2010 ዓም ክሳብ ሰዓት 4:00 አብ ዘሎ ግዜ አታዊ ይገብሩ

6 ጨረታ ምስተኸፈተ ተጫረቲ አብ ዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለዉጢ ምምሕያሽ ምግባርን ካብ ጨረታ ነብሶም ምግላልን አይኽእሉን

7 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 4/03/2010 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓሺጉ ሰዓት 4:30 ዝኽፈት ኮይኑ ተወዳደረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም እንተሃለዩ ይምረፅ

8 ተጫረቲ አብ ጨረታ ሰነድ ዝተቐመጠ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮይነሎም መብርሂ ወይ መማሐየሺ ሕቶ ከቕርብ ዝኽእል ጨረታ ዝኽፈተሉ እዋን ቅድሚ ምብፅሑ ይኸዉን

9 እቲ ትካል እዚ ጨረታ ዘየዋፅኦ ተኾይኑ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ

10 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344430183 ደዊሎም ክረክቡና ይኽእሉ

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo