ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ንቢሮና ግልጋሎት ዝዉዕል ስራሕቲ ሕተመት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስል ዝደለየ ተወዳደረቲ ይዕድም::

ትግራይ ክልል ጤና ቢሮ

ምልከታ ጨረታ

ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ንቢሮና ግልጋሎት ዝዉዕል ስራሕቲ ሕተመት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስል ዝደለየ ተወዳደረቲ ይዕድም::

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቆሒ

  1. ናይ ዘመኑ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝኸፈልኩምን ንግዲ ፍቓድ ዘሐደስኩምን::

  2. ናይ ግብሪ ከፈልቲ ቑፅሪ ቲን ምምዝጋበኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

  3. ቫት ምምዝጋብኩምን ወርሓዊ ድክለረሽን ዝገበርኽሙሉ መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

  4. ብመቕረባይነት ዝተመዝገብኩምን መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

  5. መኽበሪ ጨረታ ብር 5,000 ስፒኦ/CPO/ ክተትሕዙ እትክእሉ::

  6. ናይ ጨረታ ሰነድኩም ብሰምዒ ብዝተአሸገ ኤንቨሎፕ ሓደ ዋንኡን ሓደ ቕዳሕን ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 3 አብ ናይ ቢሮ ሰዓት ምእታዉ ትኽእሉ::

  7. እቲ ጨረታ ካብ ታሕሳስ 21/ 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ አብ አየር ዝፀንሕ እንትኸዉን ጥሪ 05/ 2007 ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 9:30 ይኽፈት::

  8. መሸነፊ ትካል ብዝተዉሃበ ስፐስፊኬሽን መሰረት ዘቕርብ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ከቕርብ ይግባእ አብ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ከይሓወሰ ዘቕረበ ተጫራታይ ቫት ከም ዝሐወሰሉ ይዉሰድ::

  9. ተጫራታይ ብስፐስፌኬሽን መሰረት ጥራሕ ከቅርብ ዝኽእል ኾይኑ መሸነፊ /መቕረባይ / ትካል ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣታዊ ይገብር::

  10. መሸነፊ /መቕረባይ /ትካል ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ አታዊ ይገብርን ዉሕሰና ንዝድልዩም ኣቑሑት ድማ ዉሕሰና ከቕርብ ዝኽእል::

  11. ነዙይ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ከይዲ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 3 ዘይምለስ ንፅሐፈት መሳርሒ ንፅሬት አቅሑት ብር 30. 00 ብክፋል ምዉሳድ ትኽእሉ::

  12. ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ::

ንተወሳኪ ሐበሬታ ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክ/ ትግራይ ስ.251 03 44 40 04 51: 0348409782 ምድዋል ይከአል::


 

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo