ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ንምርምር ስራሕቲ ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ ሕርሻን ህንፃ መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ ብመደባኛን ምርምር ስርፀትን በጃት ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይድሊ::

የመቐለ እርሻ ምርምር ማአከል

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ንምርምር ስራሕቲ ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ ሕርሻን ህንፃ መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ ብመደባኛን ምርምር ስርፀትን በጃት ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይድሊ::

በዚ መሰረት ተወዳደርቲ ክተማልእዎ ዝግባእ ረቆሒ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ናይዚ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ዝኸፈሉ ንግዲ ፍቃደም ዘሐደሱ ቲን ቑፅሪ ዘለዎም ቫት ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ዘቕርቡን ናይ ወርሒ መስከረም 2007 ዓ/ም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክሲ (VAT) ዲክለር ዝተገበሮ መረዳእታ አብ ጨረታ ሰነድ ከተሓሓዝ አለዎ::

2 ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ብሽም ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ዝተሰርሕ ናይ 4.000 ብር ብስፒኦ ክትሕዙ ዝክእሉ ኦርጅናልን ኮፒን ናይ ጨረታ ዶክመንት ብሽምዒ ብዝትአሸገ ፖስታ ከቕርብ ዝክእሉ

3 ተጫራቲ ናይ ጨረታ ዶክመንት ካብ ዕለት 03 /04 /2007 ዓ/ም ጀሚሩ አብ ማእከል ምርምር ሕርሻ መቐለ ቢሮ ቑፅሪ 23 ብምምፃእ ዘይምለስ ብር 30 /ሳላሳ / ብንኽፋል ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ዶክመንት ክሳብ ዕለት 24/04/2007 ዓ/ም ዘሎ እዋን አብ ስረሕ ሰዓት ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ምእታዉ ይኸአል ::

4 አብ ዝቐርብ ናይ ጨረታ ዶክመንት አብ ሕድሕድ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ናይቲ ትካል ክህልዎ አለዎ::

5 እቲ ጨረታ ዕለት 24 /04 /2007 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ አብቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረከብሉ ይኽፈት::

6 ጨረታ ሰዓራይ ምስተፈለጠ ዉዕሊ መከበሪ 10 % ብምትሓዝ ካብ ዝአተወሉ ዉዕሊ እዋን ጀሚሩ ንብረት አታዊ ይገብር::
7 እቲ ቢሮ ካብቲ ዝተዘርዘረ መጠን ንብረት ክሳብ 20 % ምዉሳክን ናይ ምቕናስን መሰል አለዎ::

8 ተጫረቲ ግልፂ አብ ዘይኾነሎም ነጥብታት መብርሂ ወይ መመሐየሺ ሕቶ ከቕርቡ ዝኽእሉ ጨረታ ዝክፈተሉን እዋን ቅድሚ ምብፅሒ ይክዉን::

9 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሐበሬታ ማእኸል ምርምር ሕርሻ መቐለ ፋይናንስን ዕዳጋ ንብረት ምምሕዳር ምሕታት ይከአል

አድራሻ : ማእከል ምርምር ሕርሻ መቐለ

ዒላላ ታፈረ ስብሓት መናፈሻ ፊት ንፊት ስልኪ ቑፅሪ 03 44 40 80 29


 

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo