ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ክልል ትግራይ ኣብ ናይ 2009 ዓም በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ናይ ፅሕፈት : ኤሌክትሮኒክስ ከምኡዉን ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሑትን ናይ መኪና ጎማታትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ግዝኢት ክፍዕም ይደሊ

የትግራይ ክልል ሰራሕተኛና ማሕበራዊ ጉዳይ ቢሮ

ስለዝይ እዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትጫረቱ ብግልፂ ጨረታ ይዕድም

1 ናይ 2008 ዓ/ም ንግዲ ፋቃድ ዘለዎ ,VATዝተመዝገበን ዲክለር ዝገበሩን, Tin nam መቅረባይነት ዘለዎን

2 ተጫረቲ ዘትሐዝዎ መክበሪ ጨረታ ንናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኤሌክትሮኒክስ ብር 3000 CPO ክትሕዙ ዝክእሉን ነናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሑት ብር 3000 CPO ክምኡዉን ንናይ መኪና ጎማ ብር 3000 CPO ከትሕዙ ዝክእሉ

3 ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 30 ብምክፋል ካብቲ ቢሮ ትወስዱ

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 20/1/2009 ዓም ሰዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት 20/1/2009 ዓ/ም ሰዓት 9:30 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ኣብ ቢሮ ቑፅሪ 245 ይኽፈት

5 ጨረታ ወፂኡ ካብ ዝተቃለሐሉ /ዝልጠፈ/ ጀሚሩ ተጨረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር ረቖሒ /ስፐስፊኬሽን/ መሰረት ኮይኑ ካብ ዕለት 11/1/2009 እስክ 20/1/2009 ዓ/ም ሰነድ ምስተገዘአ ብሸምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ቴክኒካል ፋይናንሻል /ኦርጅናል ኮፒን/ ብምንፃር ብክልተ ፐስታ ከቅርቡ ዝግባእ ኾይኑ እቲ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን45 መዓልቲ ይኸዉን

6 አድራሻና ክፍለ ከተማ ሐወልቲ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ አብ ኮምፕሌክስ ናይ ሐባር ህንፃ: ህንፃ 1 /Block 1/ ኣብ መሬት ቢሪ ቁፅሪ 245 እዩ

7 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344417637 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ከኣል እዩ

Â

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo