ምልክታ ጨረታ
ዋግዋጎ ትሬድንግ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር መቐለ ኣብ ዝርከብ ዋግዋጎ ትራንስፎርመር ፋብሪካ ዘለው ኣብ መኸዝን መሬት ዝንፀፉ ፓሌት ጣውላታትን ናይ ዘይቲ መትሓዚ ባዶ በርሚላትን ንሕጋውያን ነጋዶ ብመልክዕ ግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ክሸይጥ ስለ ዝደለየ ነቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሓ እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትጫረቱ ይዕድም::
1. ናይ ዘመኑ (2017 ዓ/ም) ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ ዘለዎ: ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅሪ /Tin number/ ዘለዎ
2. እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ሰነዳት ብቕዳሕ ኮፒ ብዝተዓሸገ ኢንቮሎፕ ገይሩ ከቕርብ ዝኸእል፡፡
3. ስዓራይ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ ሙሉእ ክፍሊት ከፊሉ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ንብረት ከልዕል ዝኽእል:
4. ናይ ጨረታ መኸበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፅ ሲፒኦ /CPO/ ንጣውላታት ብር 1000.00 ሓደ ሽሕ ብር /: ንባዶ በርሚል ናይቲ ዘቕረቦ ጠቅላላ ዋጋ 2% (ክልት ሚእታዊ) ከትሕዝ ዝኽእል::
5. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ኣቑሕት (ሰነድ ጨረታ) ፊት ንፊት ኢትዮ ቴሌኮም ናይለክስ ህንፃ 3ይ ደብሪ ኣብ ዝርከብ ዋግዋጎ ትሬድንግ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ክፍሊ ሎጂስቲክስ ካብ ዕለት 15/8/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 100.00 (ሓደ ምእቲ) ብምኽፋል ምዉሳድ ይካአል::
6. ተጫረቲ ቅድሚ ወረቐት ጨረታ ምእታዎም ኣብ ሓሚዳይ ጥቓ ፋብሪካ ሕሩጭ ፍትግ ኣብ ዝርከብ ዋግዋጎ ትራንስፎርመር ፋብሪካ ብኣካል ብምቕራብ ነቲ ዝጫረትዎ ንብረት ምርኣይ ይኸእሉ::
7. እዚ ጨረታ ዕለት 15/8/2017 ዓ/ም ተጀሚሩ ዕለት 25/8/2017 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ቐትሪ ይዕፀዉ:: እቲ ጨረታ በቲ ዕለት 25/8/2017 ዓ/ም ሰዓት 9:30 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዘለዉዎ ይኸፈት::
8. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
ኣድራሻና: ከበቢ ዓብይ ባንኪ ንግዲ ኢያ ፊት ንፊት ኢትዮ ቴሌኮም ናይለክስ ህንፃ 3ይ ደብሪ
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914310753 ወይ 0904320713 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል::