ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ኣብ ወረድኡ ንዝርከባ ሴክተር ቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መካይን መለዋወጢ አቁሑት ፣ሕትመት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

የኢሮብ ወረዳ እቅድና ፋይናንስ ጽህፈት ቤት

ካብዚ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቀሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶን ትካላትን ንክትጫረቱ ብክብሪ ይዕድም

  1. ናይ 2008 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን ግብሪ መንግስቲ ዝከፈለን ክከዉን ኣለዎ
  2. ተወዳደርቲ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ፣ ካርዲ መቅረባይነት ፣መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪን ካልኦት ዘድሉ መረዳእታን ቅዳሕ ከቅርቡ ዝኸእሉ
  3. ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ናይ ወርሒ መጋቢት ወይ ዉን ሚያዝያ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዘለዎም
  4. እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ 17 ግንቦት 2008 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 1 ሰነ 2008 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም ሰነደ ጨረታ ብምዉሳድ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስት ምእታዉ ይከኣል
  5. መከበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ ንመካይን መለዋወጢ አቁሑ 3,000 ቅርሺ ንሕትመት 2000 ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል
  6. ሰዓራይ ጨረታ ንዝሰዓሮ ንብረት ሰዓራይ ምካኑ ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
  7. መከበሪ ዉዕሊ 10 ሚኢታዊ ካብ ጠቅላላ ናይ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኸእል
  8. እቲ ጨረታ 1 ሰነ 2008 ዓም ሰዓት 8፡ 00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዮ በቲ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ከተማ ዶሃ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘተረከብሉ ይክፈት
  9. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0343450110 ወይድማ 0343450112 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo