ንኻልኣይ ጊዜ ዝወፀኣ ምልክታ ጨረታ
ዘ/ፋ/ቢ/ሰ/ፀ//ግ/ጨ/ቁ 005/2017
ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ን2017 በጀት ዓመት ዘይቲ ብልዒን ሽኮርን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዝኾነ ልዕል ኢሎም ኣብዝተጠቐሱ ዘርፊ እትነጥፉ ነጋዶ፡-
➢ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፈቃድ ንግዲ ዘለኩም
➢ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩም ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉ
➢ ናይ ግብሪ ከፋሊ ሰተፊኬት (TIN)ን ናይ መቕረባይ ፈቓድ ዘለኩም ንኽትሳተፉ ይዕድም።
ብምዃኑ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዝርዝር መምርሒ ዝሓዘ ሰነድ ብር 200.00 (ክልተ ሚኢቲ ብር ጥራሕ) ብምኽፋል ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ኣብ ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን እዚ ፃውዒት ጨረታ ካብ ዝተገበረሉ ዕለት 06/07/2017 - 15/07/2017 ሰነድ ጨረታ ብምግዛእ በቲ ቢሮ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክተእትዉ ከም ትኽእሉ ይገለፅ፡፡ እዚ ጨረታ መጋቢት 15/2017 ድሕሪ ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ድሕሪ ሰዓት 8፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ተወከልቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።
ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብኽፋል ወይ ምሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
• ንተወሳኺ ሓበሬታ
0344-408912 0914008595