ሓፈሻዊ መቐለ ሆስፒታል ናይ ኣለሙንየም መሳልል ፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ፡፡ በዚመሰረት ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

መቐለ ሆስፒታል

በቑፅሪ 3223/ዐፕ13-1/17

ዕለት 09/04/2017 ዓ/ም

ፕሮፎርማ ምልክታ

ሓፈሻዊ መቐለ ሆስፒታል ናይ ኣለሙንየም መሳልል ፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ፡፡ በዚመሰረት ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ክተማልእዎ ዝግባእ ረቛሒ።

1. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ቲን ናምበርን ኣብ ሓዱሽ መቕረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖምን መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

2. እቲ ፕሮፎርማ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 09/04/2017 ክሳብ 11/04/2017 ኣብ መቐለ ሆስፒታል ደጋፊ ይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 62 ምውሳድ ዝከኣል ኮይኑ ሰዓት 4፡00 ሽዑ ይኸፈት

3. ተጫረቲ ዘሸንፍዎም ኣቕሑት ሰዓርቲ ምምዃኖም ካብ ዝፈለጥሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልቲ ናብ ሆስፒታልና ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ኣተዊ ክገብሩ ዝክእሉ/ላ

4. ተጫረቲ ንዝሰዓርዎም ንብረት ፅሬቱ ዝሓለወ ንብረት ከቕርቡ አለዎም

5. እዚ ፕሮፎርማ ኣብ መንጎ ተጫረቲን ሆስፒታል መቐለን ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል፣

6. ተጫረቲ ኣብ እትመልእዎ ሰነድን ፖስታን ናይ ትካልኩም ማሕተምን ፌርማን ክዓርፎ ኣለዎ

7. ዝምላእ ዋጋ መቐለ ሆስፒታል ኣብ ዘዳለዎ ቅጥዒ ክኸውን ኣለዎ

8. ሆስፒታልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ፕሮፎርማ ሙሉእ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

ንዝበለፀ ሓበሬታ

ብስቑ. 0344400246 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል እዩ፡

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo