ኩባንያና መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ንናይ ግቢ መብራህቲ ግልጋሎት ዝዉዕል Street Light fiting 120W LED lamp with compelte accessories በዝሒ 150 PIECES ብቕሉዕ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ

መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግ ኋ/የተ/የግ/ማህበር

ምልክታ ጨረታ

ኩባንያና መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጂነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ንናይ ግቢ መብራህቲ ግልጋሎት ዝዉዕል Street Light fiting 120W LED lamp with compelte accessories በዝሒ 150 PIECES ብቕሉዕ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ በዚ ዘርፊ ስራሕ ፍቓድ ዘለኩም ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዓቀኒታት እተማልኡ ሕጋዊ ነጋዶ አብዚ ጨረታ ንክትሳተፉ ንዕድም።

ናይ ጨረታ ረቛሒን ኩነታትን

1. ናይ'ዚ ጨረታ ተሳታፊ ናይ 2016/ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ከቅርብ ዝኽእል ክኾውን ኣሎዎ።

2. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ፤ ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ተጨማሪ እሴት ታክስ ሰነዳት ዝምለስ ኦርጂናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምሓዝ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 12/12/2024 ዓ.ም.ፈ ክሳብ 26/12/2024 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 4:00 አብ ስራሕ ሰዓት(ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ንጉሆ ካብ ሳዓት 2:00 - 6:00 ድ/ቐትሪ ድማ ካብ 7:00 11:00) ኣብ ዘሎ ግዜ አብ ዋና ቤት ፅሕፈት መቐለ ካብ ኮርፖሬት ዕደጋ መምርሒ ክወስዱ ይኽእሉ።

3. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፈቓድን፣ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ተጨማሪ እሴት ታክስ ሰነዳት ዝምለስ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምትሕሓዝ ናይ ሓደ ዋጋ ብምንፃር ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋጋኦም ካብ ዕለት 12/12/2024 ዓ.ም.ፈ ክሳብ 26/12/2024 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 4:00 ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት እናቐረቡ ነዚ ጨረታ ናብ ዝተዳለወ ሳንድቕ ከእትዉ ይግባእ።

4. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብሲፒኦ (CPO) ብር 30,000.00(ሰላሳ ሺሕ ብር ) ምስ ጨረታ ዶክመንት አተሓሒዞም ከእትዉ ይግባእ፡፡

5. እቲ ጨረታ ብቴክኒካልን ፋይናንሻልን ስለ ለዝሕሰብ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ሰነድ ነንበይኑ ክዕሽግ ከምእዉን ጨረታ መኽበሪ(ሲፒኦ)አብ ቴክኒካል ሰነድ ዉሽጢ ከእትዉ ይግባእ።

6. ጨረታ ዕለት 27/12/2024 ዓ/ም/ፈ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ድሌት ዘለዎም ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኽፈት፡ ናይ ጨረታ ዶክመንት እንተተማሊኡ ተጫረቲ ኣብ መኽፈቲ እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ጨረታ ዝኸፈት ይኸዉን። (ዕለት 27/12/2024 ዓ.ም.ፈ በዓል እንተኾይኑ ቐፂሉ ዘሎ ማዓልቲ ዕለት

REVISION-05/ ISSUE-01 28/12/2024 ዓ.ም.ፈ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ይኽፈት)፤

7. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኾም ዋጋ ምእታው ኣይካኣልን፡፡ ጨረታ ዶክመንት ንሕድሕድ ገፅ ማህተምን ፊርማን ናይ ተጫራታይ ክዓርፎ ኣለዎ። ኣብ ጨረታ ሳንዱቕ ዝኣተወ ፖስታ ብምለሱለይ ብምንም መልክዑ ክምልስ ኣይከኣልን።

8. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ኣብ ዋጋ መቕረቢ ሰነድ ኩነታት ቫት ብግልፂ ዝሓወሰ ወይ ዘይሓወሰ ምዃኑ ክጠቕሱ ይግባእ፡፡ እንተዘይተጠቒሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ከምዝሓወሰ ተገይሩ ይሕሰብ፡፡

9. ተጫረቲ እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ (Price Validity) ብግልፂ ከቐምጡ ይግባእ።

10. ተጫረቲ ኣብ ቕድመ ኩነታት ዝተመስረተ ዋጋ እንተመሊኦም ዘቕረብዎ ዋጋ ተቐባልነት የብሉን፤ ናይ ተጫረቲ ድምርን ካልኦትን ጌጋታት እንተሃልዩ ተጫራታይ ሓላፍነት ይወስድ። ትካልና ናይ ተጫረታይ ስልሒት ጌጋታት ናይ ምእራም ሓላፍነት የብሉን።

11. ተጫረቲ ዘእትውዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ፣ ናይ ስልሒትን ድምርን ጌጋ እንተሃልዩ ናብ ውድድር

ኣይቐርብን።

12. ሰዓሪ ተጫራቲ ምስዓሮም ምስ ተነገሮም ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩ ይግባእ፣ እንተዘይኮይኑ ግና ንመክበሪ ጨረታ ዘትሐዝዎ ሲፒኦ(CPO) ንትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካሊእ መማረፂ ይወስድ።

13. ናይዚ ጨረታ ሰዓራይ ናይ ዉዕሊ መኽበሪ (Performance Guarantee) ንሰለስተ ወርሒ ዝፀንሕ ናይ ጠቕላላ ዋጋ 10% ብCPO ከትሕዙ ይግባእ ። ሰዓራይ ተጫረታይ ዝሰዓርዎ ንብረት ብውዕሊ መሰረት ኣብ 10መዓልቲ ከቕርቡ ይግባእ። እንተዘይኾይኑ ግና ንውዕሊ መኽበሪ Performance Guarantee ዘትሓዝዎ 10% ናብ ትካል ኣታዊ ኾይኑ ትካል ኻሊእ መማረፂ ይወስድ።

14. ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ

ናብ ዋና ቢሮና ብኣካል ብምምፃእ ሓበሬታ ክረኽቡ ይኸእሉ ወይም ብስ.ቁ 0914708567/0914754176 ክድዉሉ ይኸእሉ።

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo