ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ነዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ሮቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ትግራይ አነስተኛ እና መካከለኛ ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ልማት ኤጀንሲ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ 02/2017 ዓ/ም

ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ነዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ሮቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

1. በቲ ዘርፊ ናይዚ ዘመን ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ከቕርብ ዝኽእል፣

2. ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ (TIN) ሰርተፊኬት ከቕርብ ዝኸእል፣

3. ንተወሳኺ እሴት ታክስ (VAT) ዝተመዝገበ ኮይኑ VAT ምዝገባ ሰርተፊኬትን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም VAT ድክላሬሽን ከቕርብ ዝኽእል፣

4. መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑ ሕጋዊ ምስክር ወረቐት ከቕርብ ዝኽእል፣

5. ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ዘይምለስ ብር 100.00 /ሚኢቲ/ እናኸፈለ ካብ ቢሮና ዳይሬክቶሬት ዕደጋ፣ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን 4ይ ደብሪ ካብ ዕለት 02/04/2017 ክሳብ 11/04/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቕራብ ምውሳድ ይኸእሉ

6. ዝቐርብ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ነንበይኑ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኮይኑ ኣብ ልዕሊኡ ናይ መቕረባይ ሙሉእ ሽም፣ ናይቲ ትካል ኣድራሻ፣ ስልኪ ቑፅሪ ናይ ምንታይ ዓይነት ጨረታ ምኳኑን ናይዚ ቤት ዕዮ ሽም ክሕብር ኣለዎ፡፡

7. ተጫረቲ ዘትሕዝዎ መኽበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒ ብር 3,000 (ሰለስተ ሽሕ)፣ ብሽም ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብ CPO ናብ ዝተዳለወ ናይ ቤት ዕዮና ጨረታ ሳንዱቕ ወይ ድማ ቅድሚ ጨረታ ምኸፋቱ ከቕርብ ዝኽእል፣

8. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት

ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 (ዓሰርተ) ተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ዕዮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቕርብ ዝኸእል፣

9. እቲ ጨረታ ዕለት 14/04/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3፡30 ቕድሚ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ስዓት 4፡00 ቕድሚ ሰዓት ኣብ ክ/ከተማ ሓዉልቲ ፊት ንፊት ፕላኔት ሆቴል ኣብ ዝርከብ ሰናይ ዘበን ህንፃ 4ይ ደብሪ ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ (ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስ ንብረት ምምሕዳር) ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ዝኸፈት ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ጨረታ ምኸፋት ኣይተኣጓጎልን፡፡

10. ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸዉን ኣለዎ ተዘይኾይኑ ቫት ከምዝሓወሱ ርዱእ ተገይሩ ይዉሰድ፡፡

11. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ ጨረታ ካብ ተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን40 መዓልቲ ይኸዉን፡፡

12. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።

13. እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት ዓቐን ወይ ዋጋ ከም ኣድላይነቱ ካብ ነብሲ ወከፍ ነፀላ ኣቕሓ ክሳብ 20% ክቕንስ ወይ ክውስኸ ይኸእል እዩ፡፡

14. ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ወይ ብዝምልከቶ ኣካል ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምሰተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን፡፡

ንተወሳኺ ሓበሬታ ስልኪ ቁፅሪ 0342400009 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል::

ምስ ሰላምታ

ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ

መቐለ - ትግራይ - ኢትዮጵያ 42-400009

ፋክስ/Fax 0344- 406736

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo