ቤት ፅ/ት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ንትካልና ሰራተኛታት ሰርቪስ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መካይን ክራይ በዚ ፕሮፎርማ ኣወዳዲና ውዕሊ ንምእሳር ስለዝደለና ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም::

የትግራይ ኮሙኒኬሽን ጉዳዮች ቢሮ

ምልክታ ፕሮፎርማ

ቤት ፅ/ት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ንትካልና ሰራተኛታት ሰርቪስ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ መካይን ክራይ በዚ ፕሮፎርማ ኣወዳዲና ውዕሊ ንምእሳር ስለዝደለና ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም::

ዝርዝር ቦታታት

ተ.ቁመግለፀመዐቀኒበዝሒ መዓልቲናይ ሓደ መዓልቲ ዋጋ
1ዝሰማረየሉ ቦታታት
በዓል12 ወንበር
“ናይ ንጉሆ ሰራሕተኛ ናብ ቢሮ ብሰዓትካ ክሳብ 2:30 ሰኣት ኣብ ዘሎ ምእታው

ኣብ ምሳሕ ሰዓት ናብ ገዛ ምውሳድ 6:30
ካብ ምሳሕ ሰዓት ካብ ገዛ ናብ ቢሮ ምምላስ 8:00
“ናይ ምሸት ድሕሪ ስራሕ 11;30 ናብ ገዛ ምብፃሕ
❖ ካብ ቤት ፅፈትና ናብ 05 ታክሲ መጨረሻ 06 ላጪ ሓድሽ መንደር ታክሲ መጨረሻ
ብቁፅሪ1
2ዝሰማረየሉ ቦታታት
በዓል15 ወንበር

“ናይ ንጉሆ ሰራሕተኛ ናብ ቢሮ ብሰዓትካ ክሳብ 2:30 ሰኣት
ኣብ ዘሎ ምእታው
“ኣብ ምሳሕ ሰዓት ናብ ገዛ ምውሳድ 6:30
ካብ ምሳሕ ሰዓት ካብ ገዛ ናብ ቢሮ ምምላስ 8:00
“ናይ ምሽት ድሕሪ ስራሕ 11:30 ናብ ገዛ ምብፃሕ
❖ 17 መወዳእታ ታክሲ ዳያስፖራ ዕዳጋ
ፈሓም ግእዝ ሆቴል ቨተርነሪ ግቢ፡70ካሬ ቀላሚኖ መስመር፡70 ካሬ ማደያ ታሕተዋይ
አስፋልት፡ዋይት ሃውስ 70 ካሬ ማእከል 22
፤ቀልቀል ደብሪ፣ ማጂክ ቤት/ት ድልድልን ናብ ቢሮ
ብቁፅሪ1

መተሓሳሰቢ:-ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1. ማህተም ዝዓረፎ ፖስታ

2. ፕሮፎርማ ዝቀርበሉ እቲ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 26/03/2017ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 30/03/2017 ዓ.ም ሰዓት 11፡30

3. ተወዳደርቲ በቲ ዘርፊ ዝተሳማረዩ ፣ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈሉ ንግዲ ፍቃድ ዝሓደሱ ፣ ኣብ ናይ መቕረባይነት ሰረተፍኬት ዝተመዝገቡን ቲን ቁፅሪን መረዳእታ ከቕርቡ ኣለዎም።

4. ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 1/04/2017 ዓ.ም ሰዓት11፡30 ጀሚሩ

5. እዚ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል

6. ካብቲ ዘዳለናዮ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምምላእ ፈፂሙ ተቀባልነት የብሉን።

7. ቤት ፅ/ትና ነቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰል ኣለዎ።

8. ነዳዲን ሽፌርን ብናይ በዓሉ ክሽፍን ዝኸእል

9. ሰዓራይ ምካኑ ምስ ፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 2'መዓልቲ ውዕሊ ምስ ኣሰረ በብወርሒ በቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ተራቢሑ ይክፈሎ

10. ናይዚ ፕሮፎርማ ዝርዝር ዝሓዘ ፎርሚ ካብ ቤት ፅ/ትና ጉዳያት ኮሙኒኬሽን እናመፃኩም ምውሳድ ንኡ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታው ዝከኣል እንትከውን ቢሮና ዝርከበሉ ቦታ ድማ ፊት ለፊት ኣግኣዚ ባንክ ጎኒ ዘዬርዳኖስ ሆቴል

ንዝበለፀ ሓበሬታ ስልኪ ቑፅሪ 0344409343 ወይ 0914734003 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo