ማሕበረሰብ ዕደጋ ኮሜቴ ጣብያ ሓየሎም ከተማ ሸራሮ ፁርይ ዝሰተ ማይ ክዝርግሕ ስለዝደለየ ንኣገልግሎት እቲ ዘርገሐ ዘገልግሉ ካብ ሰደኛታት ተፅዕኖ ምላሽ ፕሮጀከት ምዕራፍ ክልተ ዝረከቦ ሐገዝ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ማሕበረሰብ ዕደጋ ኮሜቴ ጣብያ ሓየሎም ከተማ ሸራሮ

1 ማቀያየሪ ኣቅሑት ማይ ቡንቦ መሳርሒ ፅሬት ከምእዉን ፍቃድ ንግዲ መፍሪ ዉፅኢት ፕላስቲክ 2016 2017 በጀት ዓመተ ዝተሐደሰ መረዳአታ ብቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ብቅዳሕ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ናይ 2017 ዓም በጀት ዓመት ዝተሐደሰ ወረቀት መቅረባይነት ቅዳሕ በቲ ዘፈረ ከቅርቡ ዝክእሉ

4 ወረቀት ምስክር ተመዝገባይነተ ተወሳኪ እሴት ታክስን ብቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል
5 ናይ ወረሒ መስከረም ሒሳብ ዘቅርብሉ መረደእታ ከቅርበ ዝክእል

6 ልቢ በሉ ኩሎም መረዳአታት ንፁርነት በዘለዎ መልክዕ ክቅተቡ ይግባእ

7 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ብ ቅዳሕ ብምሓዝ ዋናን ቅዳሕን ተባሀሉ ነንበይኑ ተፈልዩ ኣብ ክልተ ፖስታ ተዓሺጉ ወናን ቅዳሕን ዝብል ኣብ ፖስታ ተፃሒፉ ኣበ ሐደ ዓብይ ፖስታ ተጠሚሩ ብምዕሻግ ኣብነብሰወከፍ እቲ ፖስታ ማሕተምን ሽምን ብምግባር ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ከእትዉ ይግባእ

8 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ብሽም ምምሕዳር ከተማ ሸራሮ ጣብያ ሓየሎም ማሕበረሰብ ዕድጋ ኮሜቴ 30000 ቅርሺ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ብጥረ ገንዘብ ወይ ስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ ትሕጅኦም ብስፒኦ እንተዝኮነ ይምረፅ

9 ክፍሊት ዝፍፀም ብናይ ኢትዩጰያ ቅርሺ ኮይኑ እቲ ዝደለ መጠን ንብረት ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ዉሽጢ 25 ተከታተልቲ መዓልቲታት ብናይ ባዕሎምን ናይ መጎዓዝያ ወፃኢ መራገፍን ሓዊሱ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ብዝስዓርዎ መሰረት ናብ ንብረት ክፍሊ ድሕሪ ምእታዉ ኩሎም ናይ ክፍሊት ዘድልዩ ሰነዳት እንትማልኡንዝፍፀም ይከዉን

10 ተጫረቲ ዋጋ እንትመልኡ ናይ ሐደ ወጋን ጠቅላላ ዋጋን አፈላላይ ክህልዉ የብሉን አፈላላይ እንትህልዉ ናይ ሐደ ዋጋ ጥራሕ ተቀባልነት ይህልዎ

11 ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ 5/3/2017 ዓም ክሳብ 19/3/2017 ዓም ክሳብ ሰዓት 12:00 ድሕሪ ሰዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ እናመፃእኩም 200 ቅርሺ እናከፈልኩም ሰነድ ጨረታ ምዕዳግ ትክእሉ

12 እቲ ጨረታ 20/3/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ሰዓት ተወዳደርቲ ወ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክበሉ ይክፈት

13 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን 45 መዓልቲ ይከዉን

13 እቲ ማሕበረሰብ ኮሜቴ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914259231 / 0912995394

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo