ቤት ፅ/ት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ኣብ በጀት 2017 ዓ/ም ጡሙር ዕድጊት ንወ/ኣበርገለ የጭላ ቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑን ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይድሊ።

የአበርገሌ የጭላ ወረዳ ገቢዎች ልማትና ፋይናንስ አስተዳደር ጽ/ቤት

ቁፅሪ ዕ/ን/1/14/2017

ዕለት18/02/2017 ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅ/ት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ኣብ በጀት 2017 ዓ/ም ጡሙር ዕድጊት ንወ/ኣበርገለ የጭላ ቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑን ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይድሊ።

ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ መቅረብቲ በዚ ዝስዕብ መሰረት ንክትወዳደሩ ንዕድም።

• ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ በቲ መስመር ዘለኩምን 2017 ዓ/ም ዘሐደኩም።

• እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ።

• ተወዳደርቲ ተወሳኺ እሴት ታክስ/ቫት/ዝተመዝገቡ ኮይኖም ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ 3ተ ወርሒ ወይ ድማ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ ሓደ ወርሒ ኣታዊ ዝገበሩሉ ዋንኡ ምስ ሓደ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን እቲ ዝመልኦ ዋጋ ድማ ናይ ቫት ዋጋ ዝሓወሰ ክኾን ኣለዎ

• ናይ መቕረባይነት መለለይ ካርዲ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን።

• ናይ ግብሪ ክፋላይ መለለይ ካርዲ /TIN/NO ዘለኩም ።

• ጨረታ መኽበሪ ፅሕፈት መሳርሒ 10000 ብር /ዓሰርተ ሽሕ/ ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ክትሕዝ ዝኽእል።

• ንሓደ ደኩመንት ዘይምለስ 200 ብር ብምኽፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ክ/ስ/ዕ/ን/ምም/ርን ወ/ኣ/የጭላ ብምግዛእ ክረት ዝኽእል።

• ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅ/ት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ክ/ዕ/ን/ምም/ርን ወ/ኣበርገለ የጭላ 1ይ ደብሪ ቁፅሪ 28 ምልክታ ካብ ዝተጠቀዐሉ ዕለት ጀሚሩ ብምውሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋኹም ብምምላእ ኩሎም ዝተጠቐሱ ኣድለይቲ ዶክሜንት ኮፒን ኦርጅናልን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነድ ጨረታን ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ብምፅሓፍ ኣብ ቤት ፅ/ት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ርን ወ/ኣበርገለ የላ ዝተዳለወ ሳንድቅ ንክተእትውን ንክትወዳደሩን እናተሓሳሰብና፦

• ምልክታ ኣብ ኣየር ዝፅንሐለ ብተኸታታሊ መዓልቲ ካብ ዕለት 18/02/2017 ዓ/ም ክሳብ 28/02/2017 ዓ/ም ናይ ንጉሆ ስዓት 4፡00 እዩ።

• ሳንድቅ ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 28/02/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ንጉሆ እዩ።

• ሳንድት ጨረታ ዝኽፈተሉ ብተመሳሳሊ ዕለት 28/02/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ንጉሆ ይኸውን።

• እቲ ጨረታ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ይካየድ።

• እቲ ዝስዓርኩምዎ ዝርዝር ንብረት ናብ ቤት ፅ/ት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስን ወ/ኣበርገለ የጭላ ናይ መጓዓዝያ ሓዊሱ ክተቕርቡ እትኽእሉ።

• ቤት ፅ/ትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መስሉ ዝተሓለወ እዩ።

• ኣብቲ ዝወፀ ስፔስፌክሽን ወይ መግለፂ ምንኽኻእ ውይ ምቅያርን ምስራዝን ኣይፍቀድን።

• ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪታት ስልኪ 0963509643/0914396290

N.8 -- ኣድራሻና ጣብያ መዓረይ ከተማ የጭላ ኣብ ምም/ር ህንፃ ቁፅሪ 28 እዩ።

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo