ጨረታ ተረፈ ምህርቲ
ትካልና ዩናይትድ ስቲልን ሜታል ኢንዳስትሪ ሓ/ዝተ/ው/ማሕበር ኣብ ናይ ሓፂን መፂን ናይ ስራሕ ዘርፊ ዝተሰማረየ ትካል እንትከውን ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚሮም ንዘለው ተረፈ ምህርቲ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ።
ዓይነት ንብረት
1. ናይ ስሊትንግ ተረፈ ሓፂን = 11,490.40 ኪግ
2. ተረፈ ምህርቲ(B-rade) = 35,215.01 ኪግ
3. ናይ ጥረ ኣቅሓ መዓሸጊ ሽፋንን ቁርፅራፅ ላሜራን = 2,399.62 ኪግ
መብርሂ
ስለዝኮነ ድማ ሕጋዊ ፍቃድ ዘለዎ ትካል ወይ ግለሰብ ክገዝኣሉ ዝኽእል ዋጋ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት 18/2/2017 እስካብ 23/2/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብስም ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ኣብ ቢሮና ብምምፃእ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ብዝተዳለወ ሳንዱቕ ውሽጢ ምእታው ይኽእሉ እዮም።
ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ
1. ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ቲን ቁፅርን ኦርጅናልን ዘይምለስ ኮፒን ከምፅኡ፣
2. ዝርዝር ዝሓ ሰነድ ብር 100 ብምኽፋል ካብ ዋና ቢሮ ላጪ መፂእኹም ምውሳድ ትኽእሉ ኢኹም፣
3. ተጫረቲ ሰነድ እንትወስዱ ንጨረታ ዝቐረበ ተረፈ ምህርቲ ብአካል ምርኣይ ይኽእሉ እዮም
4. ተሳተፍቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብር 100,000/ሚኢቲ ሽሕ/ ሲፒኦ(CPO) ብትካልና ሽም United Stee and Meta| Industry plc ዝተዳለወ ከትሕዙ ይግባእ።
5. እቲ ጨረታ ብዕለት 23/2/2017 ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ሰዓት 3:30 ይኸፈት
6. ናይቲ ጨረታ ሰዓራይ ምስተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 7(ሸውዓተ) መዓልትታት ዝሰዓሮ ንብረት ሙሉእ ከልዕሎ ይግባእ።
7. ሰዓራይ ውዕሊ እንትኣስር ናይቲ ጨረታ ጠቅላላ ዋጋ 10% ብትካልና ሽም ሲፒኦ(CPO) ከትሕዝ አለዎ።
8. እቲ ጨረታ ሰዓራይ ንብረት ክርከብ ከሎ ናይ ሚዛን፣ መፅዓኒ፣ መራገፍን ክፍሊት ባዕሉ ይፍፅም
9. እዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊፁ ዘሎ ንብረት መጠን ክውስክን ክንክን ስለዝክእል እቲ ዓዳጊ በቲ ኣብ ሚዛን ዝርከብ መጠን በቲ ዝሰዓሮ ከልዕል አለዎ።
ትካልና ዝሐሸ አማራፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።