ማእኸል ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ትግራይ መቐለ ንውጉኣት ተጋደልቲ ቀለብ ዝውዕል ዝርዝር መጠኑ ዓይነቱን ባልትና ማለት እውን በርበረን ሽሮንኣብ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ብንፁር ዝተቀመጠ ኣሪቱ ክገዝእ ይደሊ፡፡

አዋሽ ሪፈራል ሆስፒታል

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማእኸል ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ትግራይ መቐለ ንውጉኣት ተጋደልቲ ቀለብ ዝውዕል ዝርዝር መጠኑ ዓይነቱን ባልትና ማለት እውን በርበረን ሽሮንኣብ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ብንፁር ዝተቀመጠ ኣሪቱ ክገዝእ ይደሊ፡፡

እዞም ዝስዕቡ ረቋሓታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ተጫረቲ ናይ 2016 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈሉ፣ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱ፣ ቫት ሰርትፊኬትን ናይ መቅረባይነት ፍቃድ ዘለዎምን ኮይኖም ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ይግባእ።

2. ተጫረቲ ኣብ ዘእትውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ቫት ከይሓወሰ (ብዘይ ቫት) ንሓደ ዝሸጥዎ ዋጋ ጥራሕ መሊኦምን ፈሪሞምን ብዝተዓሸገ ኢንቮሎፕ ከረክቡ ይግባእ፡፡

3. ተጫረቲ ብ ማ/ሪ/ሆ/ሰ/ት/መቐለ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ ዕለት 15/01/2017 ዓ/ም ጀሚርኩም ክሳብ ዕለት 07/02/2017 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳጥን ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ፡፡

4. ተረቲ ዘቅርብዎ ዓይነት ቀረብ ብዝተኣዘዘ ግዘ፣መጠንን ፅሬትን መሰረት ክኸውን ይግባእ፡፡

5. ተረቲ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ስፔስፊኬሽን በቢበይኑ ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ።

6. ተጫረቲ ምስ ቴክኒካል ሰፔስፊኬሽኖም ሳምፕል ሒዞም ክቐርቡ ይግባእ።

7. እቲ ጨረታ ተረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ ዕለት 07/02/2017 ዓ/ም ቴክኒካል ስፔስፊኬሽን ቅ/ሰዓት 4፡00 ተዓዕዪ4፡30 እንትኸፈት እቲ ፋይናንሻል ስፔስፊኬሽን ድማ ድሕሪ 30 ደቂቓ ይኸፈት።

8. ናይ ጨረታ መኽበሪ 50,000 (ሓምሳ ሽሕ) ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ብማ/ሪ/ሆ/ሰ/ት/መቐለ ሽም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ፡፡

9. ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100 ብር ኣብ ናይ ትካልና ፋይናንስ ብምኸፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወስዱ ይግባእ።

10. ተጫረቲ ማሕተም ዘለዎ ሙሉእ ኣድራሽኦምን ስልኪ ቁፅሮምን ከቐምጡ ኣለዎም ።

11. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዋጋ እቲ ትካል 7.5% ቫት ዘኸፍል ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎም ።

12. ሰዓራይ ጨረታ ነቲ ዘሸነፎ ዓይነት ቀረብ ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ሰሙናዊ ቀረብ ምእታው ክጅምር ይግባእ፡፡

13. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብውሱን ወይ ከዓ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡

14. ተጫረቲ ኣብ ኣመላልኣ ዋጋን ስፐስፊኬሽንን ንዝፈጠርዋ ጌጋ ተቀባልነት ከምዘይብሉ ፈሊጥኩም ብጥንቃቀ ክትመልኡ ይግባእ፡፡

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo