ትካልና ኤልሻዳይ ሪሊፍ ኤንድ ዴቨሎፕመንት ኣሶሴሽን ንትካል ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ፅሬት ኣቁሑት/01/፣ፅሕፈት መሳርሒ/02/፣ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቁሑት/03/፣ሕትመት/04/፣ ቋሚ ኣቁሑት /05/፣ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቁሑት/06/፣መለዋወጢ ኣቁሑት/07/፣ደንቢ ክዳን /08/፣ዝተፈላለዩ ሸቀጣት/09/ ክዕድግ ስለዝደለየ ብቕዓት ዘለኩም መቅረብትን ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዐቀኒታት ተማልኡ ተጫረቲ ንክትሳተፉ ትካልና ይዕድም፡፡

ኤልሻዳይ የእርዳታ እና ልማት ማህበር

ምልክታ ጨረታ

ትካልና ኤልሻዳይ ሪሊፍ ኤንድ ዴቨሎፕመንት ኣሶሴሽን ንትካል ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ፅሬት ኣቁሑት/01/፣ፅሕፈት መሳርሒ/02/፣ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቁሑት/03/፣ሕትመት/04/፣ ቋሚ ኣቁሑት /05/፣ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣቁሑት/06/፣መለዋወጢ ኣቁሑት/07/፣ደንቢ ክዳን /08/፣ዝተፈላለዩ ሸቀጣት/09/ ክዕድግ ስለዝደለየ ብቕዓት ዘለኩም መቅረብትን ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዐቀኒታት ተማልኡ ተጫረቲ ንክትሳተፉ ትካልና ይዕድም፡፡

ናይ ጨረታ መዐቀኒ

1. ናይ 2016 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ቫት፣ናይ ግብሪ ኻፋላይነት መፍለጢ ቁፅሪ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ናይ ጨረታ ዝርዝር ሰነድ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብንጉሆ 3፡00 ክሳብ 10፡00 ሰዓት ብር 100.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይኽእሉ ፡፡

2. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ብዝተኣሸገ ፖስታ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀ ዕለት 07/01/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 27/01/2017 ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ምእታው ይኽእሉ፡፡

3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ብዝተኣሸገ CPO ብር 150,000.00 ብዝተኣሸገ ፖስታ ምስ ጨረታ ዶክመንት ብምትሕሓዝ ከእትው ኣለዎ ፡፡ ብፖስታ ዘይተኣሸገ CPO ተቀባልነት የብሉን፡፡

4. ተጫረቲ ቴክኒካል ሰነድን ፋይናንሻል ሰነድን ብዝተፈላለየ ፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ፡፡

5. እዚ ጨረታ ዕለት27/01/2017ዓ.ም ተዓፅዩ ዕለት 28/01/2017 ዓ.ም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብዝተረኸብሉ ዝኸፈት እንትኾን ሰነዶም ዝተማለአ ተኾይኑ ተጫረቲ እንተዘይተረኸቡውን እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝኽፈት ይኸውን፡፡

6. ተጫረቲ ኣብ ዋጋ መቕረቢ ሰነድ ዘእተውዎ ዋጋ ናይ ሓደ /ነፀላ/ ዋጋ ምዃኑ ክፈልጡ ይግባእ፡፡

7. ናይቲ ንብረት ዝተሰርሓሉ ቦታ ዘመላኽት/Certificate of Origin/ ናይ ምቅራብ ግዴታ ኣለዎም፡፡

8. እቲ ዋጋ ቫት ዝሓወሰን ዘይሓወሰን ምዃኑ ብግልፂ ክጥቀስ ኣለዎ፡፡

9. ኣብቲ ጨረታ ተወዳዲሩ ዝሰዓረ ተጫራቲ ሰዓራይ ምዃኑ ብፅሑፍ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ7 መዓልቲ ናብ ትካል ኣታዊ ይገብር፡፡

10. እቲ ዘቐረቦ ንብረት በቲ ትካል ዘቕመጦ መዐቀኒ/Specifications/ ዘየማልእ እንተኾይኑ ሪጀክት/Reject/ ኾይኑ ናብ በዓል ንብረት ይምለስ፡፡

11. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ግዜ ጀሚሩ ን5ተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ይኸውን፡፡

12. ክፍሊት ዝምልከት ተጫረቲ ንብረት ጠቕሊሎም ካብ ዘእተውሉ ዕለት ጀሚሩ ትካልና ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ክፍሊት ይፍዕም፡፡

13. ተጫረቲ ኣብ ናይ ኻሊእ ተጫራቲ ዋጋ ተመስሪቶም ዋጋ ከእትው ኣይፍቀድን፡፡

14. ተጫረቲ እዚ ጨረታ ምስ ኣሸነፉ ንኻሊእ 3ይ ወገን ኣሕሊፎም ምሃብ ኣይኽእሉን፡፡

15. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo