ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ካብዚ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ንብረታት ማለት እዉን ሐደ ዋይፋይ ራዉተር በዝሒ ሰለሰተ : ቪዝን ሚክሰር ኤቸ አሰ 1300 በዝሒ ክልተ : ቲቪ 43 በዝሒ ክልተ : ናይ እስቲድዩ ኤክስኪዩቲቭ ስራሕቲን ተዛመድትን ናብ ቀጥታ ፈነዉ ቀረፃን መሳርሒ ብዝጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ድምፂ ወያነ ትግራይ ኋ/የተ/የግ/ማህበር

1 ናይ 2016 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሱን ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን

2 ናይ ወርሒ ሚያዚያን  ጉንበትን 2016 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዲክሊር ዝገበርሉ ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ዉሕስና ጨረታ 200, 000.00 / ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ቅርሺ / ብመልክዕ ስፒኦ ወይድማ ካብ ባንኪ ዝተዉሃበ ዝተረጋፀ ቼክ ከቅርብ ዝክእል

4 ሰነድ ጨረታ ኩሉ ግዘ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 5 ሐምለ  2016 ዓም ክሳብ 16 ሐምለ 2016 ዓም ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዋና ክፍሊ ፋይናንስ  ኣብ ሳልሳይ ደብሪ ዝርከብ ቢሮ ቁፅሪ 308 ደኩመንት ክትወስዱ ትክእሉ

5 ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻል ቴክኒካልን ብክልቲኡ መሊእኩም ብሽምዒ ብክልተ ዝተዓሸ ፖስታ ናብ ቢሮ ቁፅሪ 409 ክተቅርቡ ትክእሉ ምካንኩም ንሕብር

6 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋሐወሉ 5 ሐምለ 2016 ዓም ጀሚሩ ን 10 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ብምፅናሕ 16 ሐምለ 2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ረፋድ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ አብ 4 ደብሪ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 404 ይክፈት

7 ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ ኣሲሩ እቲ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ የረክብ

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344410544 ወይድማ 0344410546

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo