ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓብይ ዓዲ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ትልምን ዕድጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ 2016 ዓም በጀት ዓመት ንዝተፈላለየ ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቅሑት ኤሌክትሪክ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ዓብይ ዓዲ ከተማ ማዛጋጃ ቤት


መሳርሒ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ ዕደጋ መፍለይ ኮድ AAEM/01/2016 ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ

2 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት

3 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ

4 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮኑ ናይ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት መለት እዉን ጥሪ የካቲት መጋቢት 2016 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥክምል መረዳታ ከቅርብ ዝክእል

5 መከበሪ ጨረታ ካብ ዝተፈለጠ ዉሕስና ትካል ወይድማ ካብ ባንኪ ዝተዉሃበ ዝተረጋገፀ መከበሪ ጨረታ ስፒኦ ንሐደ 50000 ቅርሺ / ሓምሳ ሽሕ /ክተቅርቡ እትክእሉ

6 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ንብረት ጨረታ ካብ ዝሰዓርሉ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ከቅርቡ አለዎም

7 ተጫረቲ ካብ ቤት መዘጋጃ ዓዲግራት ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ትልምን ዕድጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ንሐደ ሰነድ 300 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዕለት 13/9/2016 ዓም ጀሚሩ ምዉሳድ ትክእሉ

8 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ሰነድ ጨረታ ሐደ ዋና ሐደ ቅደሕ መከበሪ ጨረታ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ስራሕ ዝተሐደሰ ምስክር ወረቀት መቅረባይነት መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ምካኖም ዝሕብር ወረቀት ምስክር ናይ ሰለስተ ርብዒ ዓመት ማለት እዉን ጥሪ የካቲት መጋቢት 2016 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥክምል መረዳታ ወረቀት ምስክርን ሰነዳት ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታት ምስ ዓሸጉ ኩሎም ፖስታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግን ከቅርብ ዝክእል

9 ናይቲ ዝተጫረትሉ ዓይነት ንብረት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ዕለት 23/9/2016 ዓም ሰዓት 400 ቅድሚ ቀትሪ ብምካድ ከእትዉ አለዎም

10 ተጫረቲ ብቅዳሕ ከቅርብዎ ዝግባእ ዝርዝር ዓይነት ንብረት ዝሐዘ ሰነድ ሓዊሱ ካብ ተራ ቁፅሪ 1 2 3 4 5 ዝተገለፁ ሰነዳት ብዝተፈላለዩ ክልተ ፖስታት በበይኖም ዓሺጉም ከቅርቡ ዝክእሉ

11 ተጫረቲ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዘቅርብዎ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅሰነዳት ከምቲ ክሽየጥ ከሎ ዝነበረ እንተይ ኣጎደሉ ብትክክል ክመልኡ ይግባእ

12 ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ፊርማን ማህተምን ዘይዓረፎ ብትክክል ዘይተመለአ ሰነድ ጨረታ ካብ ጨረታ ወፃኢ የግብር እዩ

13 ሰዓራይ መከበሪ ዉዕሊ ዝሰዓረሉ ዋጋ 10 ሚእታዊ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብስፒኦ ከቅርብ ዝክእል

14 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 23/9/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ቅድም ቀትሪ ቤት መዘጋጃ ዓብይ ዓዲ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ትልምን ዕድጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን

15 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914026611

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo