ምልክታ ፕሮፎርማ ግንቦት - 2016 ዓ.ም
ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ክልል ትግራይ ካብ UIDP በጀት ናይ መኪና ጎማን ባትሪን አቑሑት ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
ተ.ቁ | ዝርዝር መግለፂ | ስፖስፌኬሽን | መዐቀኒ | በዝሒ | ናይ ሓደ ዋጋ | ጠቐሳሳ ዋጋ | ||
---|---|---|---|---|---|---|---|---|
ብ | ሳን | ብ | ሳን | |||||
1 | ጎማ አፐሎ ምስ ካላማደርያ | 15R195 | ቁፅሪ | 05 | ||||
2 | ባትሪ 70AM | Boliden | ቁፅሪ | 02 |
በዚ መሰረት እዚ ዝስዕብ ረቛሒ እተማልኡ ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡
• በቲ ዘርፊ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ፣ መቕረባይነት ክተቕርቡ እትኸእሉ፡፡
• ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቲን ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡
• ተጫረቲ ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ሓበራዊ ህንፃ 1 ደብሪ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ካብ ዕለት 14/9/2016 ብምውሳድ ዋጋ መሊእኹም ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ ዕለት 19/9/2016 ስዓት 3፡00 ናብ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ዝተዳለወ ሳፁን ኣታዊ ክትገብሩ ትኸእሉ፡፡ እቲ ፕሮፎርማ ስዓት 3፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 3፡30 ይኸፈት፡፡
• እቲ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7' ናይ ስራሕ መዓልቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸውን፣
• ስዓራይ ምዃንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም ኣብ ውሽጢ 3 ስራሕ መዓልቲ እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ ኦርጅናል ንብረት ኣታዊ ዝገብር፡፡
• ቢሮና እቲ ፕሮፎርማ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-42-40-01-29 ምሕታት ይከኣል፡፡