ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብናይ SLMP 3 በጀት ዝክፈል ንቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ንብረታት መሳርሒ ህንፃ : ዘርኢ እፅዋት : አትክልቲ ፍራምረን ካልኦትን ከምእዉን ናይ ደርሆ ጨቆቅቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

የታሕታይ ኣድያቦ ወረዳ እቅድና ፋይናንስ ጽህፈት ቤት

1 በቲ ቅድም ክብል ዝተገለፀ በቢ ዝምልከተኩም ዘፈር ፈቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 ናይ 2015 ዓም ግብሪ ዝከፈልኩም:  ናይ 2016 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም: ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለኩም  :  ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘቅርብ ዝክእል

3 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ /ቲን ቁፅሪ / ዘለኩም : ተወሳኪ እሴት ታክስ  /ቫት/ ረጅሰርት ዝኮንኩም  ናይ ወርሒ መጋቢት 2016 ቫት ድክለሬሽን ከቅርብ ዝክእል

4 ኣብ ናይ ደርሆ ጨቆቅቲ ትወዳደሩ በቲ ዘፈረ ብቅዓት መረጋገፂ ዘለኩም

5 ኣብ ፖስታ ዝዕሸገ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ: ቫት ምዝገባ :  ወረቀተ ምስክር ዝተሐደሰ መቅረባይነት  :  ናይ ወርሒ መጋቢት  ቫት ዲክለረሽን  : ናይ ግብሪ ከፋለይ መለለይ  ቁፅሪ  :  ብቅዓት መረጋገፂ ኣብ ደረሆ እትወዳደሩ ካብ ዘፈር ቁጠባ ከይዲ ስራሕ ሃፍቲ እንስሳ እተን ደራሆ ካብ ዝርከባሉ ከባቢ ዘቅርብን ብግልፂ ዝረአን ክከዉን አለዎ

6 ናይ ደርሆ እተወዳደሩ ተወዳደረቲ ካብተን ደራሆ ናይ ዝርከባሉ ናይቲ ወረዳ ዘፈር ቁጠባ ወይድማ ፋርም ናይ ኣርባዕን ሓሙሽተን መዓልቲ ክትትልን ክተባትን ከምዝግበረለን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን ካብቲ ዝከፋፈላሉ ፋርም ድማ ናይ መጀመሪያ መዓልቲ ክታበት ከም ዝወሰዳ ዘቅርብን ብቅዓት መረጋገፂ መረዳእታ ዘቅርብን ብግልፂ ዝረአ ክከዉን አለዎ

7 ኣብ መንግስታዊ ጨረታ ኣብ ዝኮነ ይኩን ትካል ዝተኣገደ ነጋዳይ ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይክእልን

8 ከይዲ ጨረታ ብዘኣይአገባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሐትንን ጨረታ ንከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ስጎምቲ ዘስዕብ ምካኑ ንሕብር

9 ዕዳጋ ፈፃሚ ኣካል ካብ ነብስ ወከፍ ነፀላ ኣቅሓ በጀት መሰረት ዝገበረ ክሳብ 25 ሚእታዊ ናይ ምቅናስ ወይ ናይ ምዉሳክ መሰል አለዎ

10 ተጫረቲ ዋጋ እንትመልኡ ናይ ሐደ ዋጋ ጠቅላላ ዋጋ አፈላላይ ክህልዉ የብሉን አፈላላይ እንትህሉ ድማ ናይ ሐደ ዋጋ ጥራሕ ተቀባልነት ይህልዎ

11 ተጫራቲ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ መቅረቢ ብቆንቆ ትግርኛ ይከዉን

12 ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 9/9/2016 ዓም ክሳብ 24/9/2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ እናመፃእኩም ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ትክእሉ

13  እቲ ጨረታ 24/9/2016 ሰዓት 4:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ይክፈት

14  ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ስፒኦ ንመሳርሒ ህንፃ ዝሳተፉ 15100 ቅርሺ ንእፅዋት ዘርኢ ዝሳተፉ 3100 ቅርሺ ንአትክልትን ፍራምርን ዝሳተፉ 3100 ቅርሺ ንጨቆቅቲ ደርሆ ዝሳተፉ 3100 ቅርሺ ከትሕዙ ዝክእሉ

15 ሰዓራይ መቅረባይ ዝፍለጠሉ ብመሰረት ዝቀረበ ዝርዝር መዓቀኒ ኮይኑ ዝተሐተ ዋጋ ካብ ዝመልእ መቅረባይ ይከዉን

17 ተጫራቲ ዋጋ እንትመልኡ ስርዝ ድልዝ ወይ ድምሳስ ክህልዉ የብሉን ስርዝ ድልዝ ወይ ድምሳስ ዘለዎ ናይ በዕል ዋና ፊርማ ክግበረሉ አለዎ

18 ተጫራታይ ሰዓራይ ተባሂሉ ካብ ዝፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3 ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲታት ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስረ ዝክእልን : ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ 10  መጠን ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብስፒኦ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

19 ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ንብረት ብዉዕሊ መሰት ኣብ ዝተዉቦ ገደብ ግዜ አታዊ እንተዘይገይሩ ካብ ኣታዊ ዘይገበሮ ጠቅላላ ዉዕሊ በቢመዓልቱ 1/1000 ክሳብ 10 ሚእታዊ ዝበፅሕ ይቅፃዕ ካብኡ ብዝሐለፈ በመምርሒ ዕድጋ ተፈፃሚ ይከዉን

20 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐለ ግዘ  ጨረታ ካብ  ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን40 ተከታተልቲ መዓልቲ ይከዉን

121ሰዓራይ ተወዳዳራይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ወፃኢ ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረትን ምምሕዳር ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ቤት ፅሕፈት ቁፅሪ 5 አታዊ ዝገብር

22 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo