ቤት መዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ንቤት መዘጋጃ ሽረ እንዳስላሴ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ማሽን ኪራይ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት መዘጋጃ ሽረ እንዳስላሴ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ዘለዎ ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰን ብቅዳሕ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለኩም ብቅዳሕ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋሊግብሪ ዘለዎ ብቅዳሕ ድማ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

4 ተመዘጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነ ብቅዳሕ ድማ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል ናይ ሕሉፍ ሰለሰተ ወርሒ ወይ እዉን ካብ ጥሪ ክሳብ መጋቢት 2016 ዓም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 ሰነድ ጨረታ ካብ 28/8/2016 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 12/9/2016 ዓም ካብ ሳዓት 230 ክሳብ 1130 ኣብ ስራሕ ሰዓት ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ክፍሊ ቁፅሪ 15 ሰለሰተ ሚኢቲ ቅርሺ / 300/ እናከፈለኩም ክትወስዱ ትክእሉ

6 እቲ ጨረታ 13/9/2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ባዐሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

7 እቲ ጨረታ በቲ ኣብ ምልክታ ዝተገለፀ ኣማሊኡ እንተተረኪቡ በዘይለዉሉእዉን ንምክፋት ዝዓገቶ ነገር የብሉን

8 መከበሪ ጨረታ 1250000 / ሐደ ሚኢቲን ዒስራን ሓሙሽተን ሽሕ / ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ኣብ ኩነታት ዝተመስረተ ወይ ብስፒኦ ጥራይ ከትሕዝ ዝክእል

9 ሰነድ ጨረታ ብንፁር ዝንበብ ስርዝ ድልዝ በዘይብሉ እንተኮነ እዉን ኣብ መወዳእታ ዋጋ ናይ ባዕሉ ወይ እዉን ወኪሎም ፊርማ ማሕተምን ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ ድማ ማሕተም ትካል ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ

10 ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ ሰነድ ጨረታ ማሕተም ዘይገበረ ተወዳዳሪ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከዉን

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ እንተነኣሰ ን25 መዓልቲታት ይከዉን

12 ትካልና ዝሸሐ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ንምርካብ ስልኪ 0943080138 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo