ኤጀንስ ንግድን ሰደድን ክልል ትግራይ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ክዕድግ ይደሊ

ኤጀንሲ ንግዲን ሰደድን ክልል ትግራይ

1 በቲ ዘፈር ናይዚ ዘበን ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፈቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ዘለዎ ወረቀት ምስክር እዉን ከቅርብ ዝክእል

3 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበ ኮይኑ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል

4 ናይ ወርሒ ጥቅምቲ እስካብ ታሕሳስ 2016 ዓም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ግብሪ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 በቲ ዘፈር ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበ ምካኑ ናይዚ ዘመን ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝክእል

6 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ጨረታን ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ኤጀንሲና ዳይሬክቶሮት ዳይሬክተር ዕድጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ ክፍሊ 10 ካብ 11/8/2016 ዓም ክሳብ 28/8/2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዝያት ኣብ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ምዉሳድ ይክእሉ

7 ዝቀርብ ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ዋና ቅዳሕን ነንበይኑ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ኢንሎፕ ወይ እዉን ፖስታ ኣብ ልዕሊኦ ድማ ናይ መቅረባይ ምሉእ ስም ናይቲ ትካል ኣድራሽ ስልኪ ቁፅሪ ናይ ምንታይ ዓይነት ጨረታ ምካኑ ስም እቲ ቤት ዕዩ ክሕበር አለዎ

8 ተጫረቲ ዘትሕዘዎ መከበሪ ጨረታ 10000 / ዓሰርተ ሽሕ / ቅርሺ ብሽም ኤጀንስ ንግድን ሰደድን ክልል ትግራይ ብጥረ ገንዘብ ወይ እዉንብስፒኦ ናብ ዝተዳለወ ናብ ቤት ዕዩና ሳንዱቅ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርቡ አለዎም

9 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደሪይ ዝዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ክፍሊ መክዘን ቤት ዕዩ በቲ ዝተሐተተ ፅሬትን መጠን ከቅርብ አለዎ

10 እቲ ጨረታ 29/8/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ኣብ ኤጀንሲ ንግድን ሰደድን ክልል ትግራይ ፊት ንፊት ሆቴል ሰናይ ዘበን ህንፃ ካልኣይ ደብሪ ኣብ ዳይሬክቶሮት ዳይሬክተር ዕድጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ ክፍሊ 10 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ዝክፈት ኮይኑ ተጫረቲ በዘይ ምርካቦም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን

11 ተጫረቲ ዝምለእዎ ዋጋ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተወሳኪ ግበሪ ዝሐወሰ ክከዉን አለዎ ተዘይኮኑ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከም ዝሐወሱ ርዱኡ ተገይሩ ይዉስድ

12 ዋጋ ፀኑዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን40 መዓልቲታት ይከዉን

13 ኤጀንሲ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

14 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ናይ ዝግዛእ ንበረት ዓቀን ወይ እዉን ዋጋ ከምእድላይነቱ ካብ ነብስወከፍ ኣቅሓ ክሳብ 20 ሚእታዊ ክዉስከ ወይ ክቅንስ ይክእለ እዩ

15 ሰዓራይ እቲ ዘቅርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራይ ኣታዊ ይከዉን

ንተወሳኪ ሐበሬታ  0342406363 / 0914725684  / 0914030069

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo