ማሕበር ልምዓት ትግራይ Deployment and Implementation of Organizational Capacity Development and Standardization ዝብል ርእሲ ዝሓዘ ፕሮጀክት ዝምልከቶም ሰብ ሞያታት ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡

የትግራይ ልምዓት ማሕበር

ን2 ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ Deployment and Implementation of Organizational Capacity Development and Standardization ዝብል ርእሲ ዝሓዘ ፕሮጀክት ዝምልከቶም ሰብ ሞያታት ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2016 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፡

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ ከቕርቡ ዝኸእሉ፡

3. ቫት (AI) ወይ ቲ ኦ ቲ (IOT) ተመዝጋቢ ዝኾኑን ዝተመዝገብለ መረዳእታ ናይ ጥሪ ወርሒ 2016 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉን፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2016 ዓ.ም ከቕርብ ዝኸእል፡

5. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር 5,000.00 ከቕርብ ዝኸእል፡

6. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ

ሃፀይ ዮሃንስ) ቢሮ ቑፅሪ 150 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 100.00 ብምኸፋል ምውሳድ ይከኣል፣

7. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን ዶክመንት ማህተም ገይሮም ሓደ ዋናን ሓደ ቕዳሕን ነንበይኑ ብፖስታ ብምፍላይ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 16/07/2016 ዓ.ም እስካብ 30/07/2016 ዓ.ም ኣብ ቤት ፅሕፈትና ቢሮ ቑዕሪ 135 ዝርከብ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ፡

8. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳር እቲ ስራሕ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ሰሪሑ ከረክብ ዝኸእል፡

9. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቲ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

10. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፡

11. ትካልና 20% ናይቲ ስራሕ ምንካይን ምውሳኸን ይኸእል፣

12. ማ.ል.ት እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፡

13. እዚ ጨረታ ዕለት 30/07/2016 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት፡፡

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo