ቢሮ ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ግልጋሎት ክዕድግ ይደሊ ስለዚ በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

የትግራይ ክልል ውሃ ሃብት ቢሮ

1 ተወዳደርቲ ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ፣ ቲን፣ መቅረባይ ሰርተፊኬት ፣ ምስቲ ፕሮፎርማ ብፖስታ ተዓሽጉ ከቅርቡ አለዎም እቲ ዝቀርብ ዶክመንት ዝረአ ክከዉን አለዎ ዘይረአ እንተኮይኑ ናብ ዉድድር ኣይቀርብን

2 ተወዳደርቲ መሊኦም ኣብ ዘቅርበዎ ፕሮፎርማ ፌርማን ክቢ ማሕተምን ክዕርፍ አለዎም

3 ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 28/01/2013ዓ/ም ክሳብ ዕለት 03/02/2013ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ኣን ዘሎ ግዜ ምቅራብ ይኽእሉ

4 እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 03/02/2013ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት 3፡10 ኣብ ነባር ቢሮ ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ ይክፈት

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 44 40 36 56

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo