ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ወረዳ ራያኣላማጣ ከይዲ ስራሕ መንገዲ ምዕባለ ኣብ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ኣብ ዓዲ ፈለስቲ ናብ ዓዲ ኩሉ ዝስራሕ ሓድሽ መንገዲ ኣብ ናይ 2012ዓ/ም በጀት ዓመት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንግድን መጋዕዝያን ራያ አለማጣ

1 ብኤጄንሲ ልምዓት ደቀቅቲን ኣናእሽተይን  ትካላት ንግዲ ተመዝጊቦም ደቀቅቲ ዝብል መግለፂ ብርኪ ስራሕ ወረቀት ምስክር ከቅርቡ ኣለዎም

2 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ ስራሕ ተካናተሪቲ ዝተወሃቦ ምዝጋባ ካርዲ ፍቃድ ስራሕ ንግዲ ወረቀት ምስክር ምዝገባ መቅረባይነት

3 ወረቀት ምስክር ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘወራረድሉ መረዳእታ

4 መረዳእታ ምዝገባ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ  ካብ ኤጄንሲ ልምዓት ደኣንት ኣፍልጦ ዝተወሃቦም መረዳእታ ዘሎዎም

5 ዉሕስና ጨረታ ብብሄራዊ ባንኪ ኢ/ያ ዝተፈቀዶሎም ዝ/ዩ ባንክታት ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ  መአዘዚ ክፍሊት ገንዘብ ማለት አዉን  ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ 10000.00 ቅርሺ ከቅርቡ ኣሎዎም

6 ብመሰረት ዝኣተዉዎ ዉዕሊ ፅሬቶምን ብግዜኦምን እንተዘይተሰሪሖም ብዉልቀ ኮነ ብማሕበር ከም ዝሕተቱ ክፈልጡ ኣሎዎም

7 ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፉ ብቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጓዓዝያን ኤጄንሲ ልምዓትን ደቀቅትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት  BRCGC ደረጃ 8ተ ደቂቅ ዝተወሃቦም ኮይኖም ብኣካል ሒዞም ክቀርቡ ዝክእሉ

8 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረቱሉ ሰራሕ ፕሮጀክት ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 60 መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ወዲኦም ዘረክቡ

9 ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ምዕባለ ቢሮ ቁፅሪ 01 ካብ 18/06/2012ዓ/ም ክወስዱ ይክእሉ

10 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረቱሉ ፋይናንሻል ሰነድ 1 ዋና 2 ቅዳሕ ሰነዳት ጨረታ ናይ ስራሕ ተካናተርቲ ዝተወሃበ ምዝጋባ ካርዲ ፍቃድ ስራሕ ንግዲ  ኩሎም ዶክሜንት ኣብ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ክሳብ 08/07/2012ዓ/ም ናብ ሳንዱቕ ጨረታ ክሳብ ሰዓት 3፡00  ምእታዉ ይካኣል

11 ሰዓራይ ናይ ዝሰዓሮሉ 3 ሚኢታዊ መኸበሪ ዉዕሊ ከትሕዝ ዝክእል

12 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 08/07/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ይክፈት

13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

03 44 40 75

ስፖንሰሮች

ሃሳቦች የሚሰራጩባቸው መንገዶች.
Milkta Logo