ናይ ጨረታ ማስታወቅያ
ኒዉ ሚሊንየም ኮሌጅ አብ መቐለ ካምፓስ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኮምፒተርን ኔትወርክን ናይ ሐደ ዓመት ፅገናን ሰርቪስን (maintenance and Service ) ዝገብር ትካል ብጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ ዝስዕብ ረቑሓታት እተማልኡ ንክትጫረቱ ይዕድም::
-
ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 5 % ብ CPO/ ጥረ ገንዘብ ክትሕዝ ዝኽእል::
-
ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 30.00 ብር ብምኽፋል ካብ ዕዳጋ ክፍሊ ምዉሳድ ይካአል::
-
እዚ ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ዕለት ነሐሰ 30/2006 ዓ/ም ክሳብ መስከረም 9/2007 ዓ/ም ኮይኑ ተጫራትቲ ዘቕርንብዎ ዋጋ ብዝተዓሸገ ኢንቪሎፕ አብ ዕለት መስከረም 9/2007 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:15 ተጫራትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ ይኽፈተ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ብምትራፎም እቲ ጨረታ ሰብ ምኽፋት ዝእግድ ነገር የለን::
-
ተጫረቲ ሳዓራይ ምኮኑ ምስ ተነግሮ አብ ዉሽጢ 1 መዓልቲ ዉዕሊ ይአስር::
-
ሳዓራይ ተጫረቲ አብ ዝመልኦ ዋጋ ዝናሳሕ እንተኮይኑ ዘትሐዞ ስፒኦ (CPO ) ጥረ ገንዘብ ናብ ኒዉ ሚለንየም ኮሌጅ ኣታዊ ይኸዉን::
-
ኮሌጅና ዝሐሸ አማራፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን በክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
-
ተጫራትቲ አብ ፅገና ኮምፒተር ዝተዋፈሩ ክኾኑ ይግባእ
-
ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ከቅርብ ይግባእ
-
ቲን ቑፅሪ ዘለዎ
-
ንግዲ ምዝገባ
-
ቫት ዲክላሬሽን
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቑ ስልኪ 0344410465 /406088/406144 ደዊልካ ምሕታት ይካአል::