ቤት ፅሕፈት ማይን ፈሳስን ግልጋሎት ከተማ ዓ/ዓዲ ካብዚ ንታሕቲይ ተዘርዚሮም ዘለዉ ዝተፈላለዩ ዓቀን መጠንን ዘለዎም ዘገልግሉ ናይ ማይ ትቦታትን ናይ መኪና ጎማን ባትሪን ካላማደርያን ፣ ካልኦት ብዝርዝር ዝተቐመጡ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ ስለዚ ክትጫረቱ አትደልዩ ናብ ትካልና ቤት ፅሕፈና እቲ ንበረት ብኣካል ብምርኣይ ዘይምለስ 50 ብር ብምኽፋል ካብ ዓ/ዓዲ ቤት ፅሕፈት ማየን ፈሳስን ንብረት ምም/ር ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ካብ 07/01/2013ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 26/01/2013ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ሰነድ ጨረታ እናመፃእኹም ክትወስዱ ክትዕድጉ ከም እትክእሉ እናገለፅና ተጫረቲ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከመልኡ ኣለዎ

ቤት ፅሕፈት ማይን ፈሳስን ግልጋሎት ከተማ ዓ/ዓዲ ካብ ዕለት 07/01/2013ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 26/01/2013ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ናይ ሒሳብ ምንቕስቃስ ብደገ ኦዲተራት ኦዲት ክግብር ስለዝደለየ ኣብ ትሕቲ አመራርሓ ክትትልን ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ እትርከቡ ዝተፈቀደሎም ዉልቀ ኦዲተራት ኦዲት ትካላትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ኦዲት ክገብር ስለዝደለየ ሕጋዊ ፍቃድ ዘለኩም ንክትሳተፉ ይዕድም

ኣብ መንጎ ናይ አፈፃፅማ ክትዕ ጉዳይ አመልክቱ

ኣብ ኩሓ ሆስፒታል ግቢ ዘሎ ረጊድን ቀጢንን ጠቕላላ ኣብቲ ግቢ ዘሎ ዕንፀይቲ መፂእኻ ብምርኣይ ብፕሮፎርማ ኣጫሪትና ክንሸይጥ ስለዝደለና ምግዛእ እትደልዩ ተጫረቲ ብፖስታ ብዝተዓሸገ ናይ ዋጋ መቕረቢ መሊእኹም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 04/01/2013ዓ/ም ጀሚርኩም ክሳብ ዕለት19/01/2013ዓ/ም ናብ ዕደ/ንብ/ፋይ/ም/ር ቑፅሪ 48 ምቅራብ ትኽእሉ እኩም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክ/ከተማ ሰሜን ኣብ ክ/ከተማና ንዝርከባ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቅሑት ናይ ሕትመት ግልጋሎት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ሕጋዉያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም

ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ግልጋሎት ዝዉዕል ፅሕፈት መሳርሒ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከተማ ዓዲጉዶም ኣብ በጀት ዓመት 2013ዓ/ም ናይ ቤት ፅሕፈታት ናይ ፣ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ኣናእሽተይ ኣቅሑትን፣ ኣቅሑት ፈርነቸር፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ፣ ናይ መኪና ጋራዥ ጉልበት ዋጋ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ኣብቲ ወረዳ ንዝርከባ ሴክተር ቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕል ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑ ፅሬት፣ ናይ ተሽከርከርቲ መካይን መለዋወጢ ኣቅሑት፣ ኣቅሑት ሕትመት፣ ትቦ መለዋወጢ ኣቅሑት ማለት እዉን ሳኒተሪ፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣላማጣ ን በጀት ዓመት 2013ዓ/ም ኣጎልግሎት ዝዉዕል ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑ ፅሬት፣ ኣቅሑ ኤሌክትሪክ፣ መለዋወጢ ኣቅሑ መኪና ፣ኣልባሳት፣ ፍራሽን፣ ሕትመትን፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ቅዱስ ፍሬምናጦስ ኣባ ሰላማ ካሣቴ ብርሃን መንፈሳዊ ኮሌጅ ለሚያሰራዉ G+10 ኣልሙኔም ፓነል፣ ፍሬም እና ግራናይት ቀለም ስራ በግልፅ ጨረታ ኣወዳድሮ ለማሰራት ይፈልጋል