ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ ንሓረስቶት ዝዕደል ሶላር መብራህቲ፣ ኣቅሑት ቢሮን መለዋወጢ ኣቅሑት ሞተር ማይን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ማይጨው ሕርሻ ኮሌጅ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ እንስሳት ናውትን ኣቅሑትን፣ ናይ መኪና ስፔር፣ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት፣ ህንፃ መሳርሒ ፣ማይ አቅሑትን፣ ኤሌክትሮኒክስን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቋሒ ክተማልኡ ይግባእ።

ኮሌጅ ትምህርቲ መምህራን አመራርሓ ትምህርትን ዓብይ ዓዲ ኣብ 2011 ዓ/ም ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር አገልግሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት: መሳርሒ ስፖርት፣ መሳርሒ ፅሬት፣ መሳርሕታት ማይን ኤሌክትሪክን ፣ ዝተፈላለዩ መፃሕፍቲ ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ፣ መራብሒ ማሽንን ፣ፕሪንተርን ካልኦት ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑትን፣ ናይ ዓበይትን ኣናእሽተይን መኪና መፀገኒ ጋራዥን፣ ኣጫሪቱ ክዕድግን ኣገልግሎት ክረክብ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ከተማ ኣፅቢ ን 2011ዓም በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ዝዉዕል ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ማሕበራዊ ረደኤት ትግራይ (ማረት) ዝተፈለላዩ ናይ ማይ ቱቦ መገጣጠሚ ኣቅሑት (Different shape of HDPE pipe) ብጨረታ ኣወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ።

ማሕበራዊ ረደኤት ትግራይ (ማረት) ዝተፈለላዩ ዓቀን ዘለዎም ፖሊትንትዩፕ በዓል 8 ሳ.ሜን በዓል 10 ሳ.ሜ ብጨረታ ኣወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ።

ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ ን2011 በጀት ዓመት ዘድሊ ሎት 1 ናይ ሰራሕተኛታት ናይ ስራሕ ኽዳንን ጫማን፣ ሎት 2 መጋረጃታት፣ ሎት 3 ዝተፈላለዩ ናውቲ ፅሬት ፣ ሎት 4 ዓራት፣ ሎት 5 ፀባ፣ ሎት 6 መሳርሒ ፅሕፈት፣ ሎት 7 መለዋወጢ ኣቅሑት ተሸከርከርቲን ማሽናትን ፣ ሎት 8 ንፅገናታት ዝውዕሉ መፋትሕን ማሽናትን፣ ሎት 9 ዲስክ ቶፕ ኮምፒተራት፣ ሎት 10 GI ከምኡውን DCI ቱቦታትን መገጣጠምታትን ሎት 11፣ GI ከምኡውን GS ቱቦታትን መገጣጠምታትን፣ ሎት 12 HDPE መገጣጠምታትን GI GS ቱቦታትን መገጣጠምታትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መስፈርቲ እተማልኡ ሕጋውያን ተወዳደርቲ ጨረታ ሰነድ ብምውሳድ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ማእከል መሰልጠኒ መናእሰይ ኣግበ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ብዝተፈላለዩ ሞያታት ንመናእሰይ ኣብ ምስልጣን ከምዝርከብ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ ዓመት ብዝተመደበሉ በጀት መሰረት ብምግባር መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ፣ መሳርሒ ፅሬት፣ ናይ ማይ መሳርሒ ፣ መሳርሒ ኮንስትራክሽን ፣ መሳርሒ ኤሌክትሪክ፣ መሳርሒ ሕትመትን ኤሌክትሪክ ሞጎጎን ክገዝእ ስለ ዝደለየ ንክትወዳደሩ ብግልፂ ጨረታ ንዕድም።

ማሕበር ረደኤት ትግራይ ( ማ.ረ.ት) ዝተፈለላዩ ናይ ማይ ሞተራት ኤሌክትሪካል ጀነሬተርን ሚክሰርን ቫይብሬተር (Water pump, Electrical generator, Mixer and vibrator) ብጨረታ ኣወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ።

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ዝተፈላለዩ መጠን ዘለዎም ፓምፕታትን መለዋወጢ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ ፣ ዝተፈላለዩ መጠን ዘለዎም HGPE GL ቱቦን መገጣጠሚን፣ ናውቲ ላብራቶሪ ማይ ፣ መሳርሒ ፅሕፈትን ኤሌክትሮኒክስን በግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።