ቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት መስተ ማይ ከተማ ሸራሮ ነቲ ቤት ዕዮ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ዝ/ዩ ንብረት ናይ ኤሌክትሮኒክስ ፣ መሳርሒ ህንፃ፣ ናይ ማይ ቱቦታትን መገጣጠሚታትን ፣ ፣ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑ፣ ናይ ሞተር ሳይክልን መለዋወጢ ኣቅሑ ጀነሬተራት፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ ከባቢ ሸራሮ ንዝስራሕ ናይ ሓባር ዒላታት ንናይ ዋን ዎሽ ማእከላዎት ጎዳጉዲ ስራሕ ከምኡውን ንዝተፈላለያ ኣብያተ ፅሕፈት ኤሌክትሮኒክስ ንምዕዳግ ስለዝደለየ ንናይ ሓባር ዒላ ብናይ ማይ ስራሕቲ ንግዲ ፍቃድ ደረጃ 8 ደቀቅቲ ትካላት ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ከምኡውን ብናይ ዋን ዎሽ ካልኦት ጎዳጉዲ ድማ ብናይ ማይ ስራሕቲ ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕን ክዕድግን ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ኣላማጣ ካብ ኤች ፒ ፕሮግራም ዝተረከበ በጀት ኣብ ጣብያ ሰለክለካ ቁሸት ሽፈራው መሌ ንዝስራሕ ሄድዎርክ ፊኒሺንግን ካናል ዎርክን ብቁዓት ናይ ማይ ኮንትራክተራት አወዳደዲሩ ከስርሕ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብቤት ፅሕፈት ማይን ማዕድንን ኢነርጂን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ በጀት ዝክፈል ኣብ ዝተፈላለያ ጣብያታት ንዝስራሓ ማእከለዎት ጎዳጉዲ ከስርሕ ስለዝደለየ ብናይ ማይ ስራሕቲ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ዘኾንኩምን ተወዳደርቲ ከምኡውን ንዝትፈላለዩ ስራሕቲ ንኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ማሽነሪታት፣ደረቅ ፅዕነት፣ መለዋወጢ ኣቅሑ መኪና /ስፔር ፓርት/ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤

ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ቀረብ መስተ ማይ ከተማ ኮረም ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝረከቡ ከይዲ ስራሕ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ቱቦን መገጣጠሚን ቆፃሪትን ፣መሳርሒ ፅሕፈት፣ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ናይ ቢሮ ኣቑሑ ፈርኒቸር፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።ስለዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ንኽትወዳደሩ ንዕድም።

ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ የጭላ ካብ ዘለዎ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ንናይ ቤት ፅሕፈትና ዝዉዕል ቱቦታት ማይ ምስ መገጣጠሚን ቆፀርትን ኤሌክትሮኒክስን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከዕድግ ይደሊ::

ኣግበ ቴክኒክን ሞያን መሰልጠኒ ማእከል ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ብዝተፈላለዩ ሞያታት ኣብ ምስልጣን ከምዝርከብ ዝፍለጥ ኮይኑ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፤ ናይ ኤሌክትሪክ ኢንስታሌሽን መሳርሒታት፣ ፅሬት መሳርሒታት፣ ናይ ዝርገሐ ማይ መሳርሒ፤ ናይ ኮንስትራክሽን /ህንፃ/ መሳርሒታት፤ናይ ምግቢ /ሱፐር ማርኬት/ ቀረባት፣ ኮስሞቲክስን ፤ጨርቃ ጨርቅን መሳርሒታት ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለ ዝደለየ ንክትወዳደሩ ንዕድም

ንቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ግልጋሎት ዝውዕል ንመስመር ማይ ፅገና ናይ ባንባ መቀያየሪ ኣቅሑት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ካብ ፕሮጀክት ልምዓት ምንካይ ተፅዕኖ ስደተኛታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ (BRDIP) ዝተረኸበ በጀት ብማሕበረ ሰብ ዝምራሕ ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ዝርከባ ጣብያታት ማይ ዓይኒ፣ ማይ ኣንበሳ፣ ማይ ተክሊት፣ ውህደት መድሃኒኣለም ሓድነት፣ ሓየሎምን መብራህቶም ኣገልግሎት ዝውዕል መሳርሒ ህንፃን ሓድሽ ንዝስራሕ ናይ ምዝርጋሕ ማይ መስመር ስራሕቲ ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ናውቲ ማለት ናይ ማይ ቡንባ መለዋወጢ ኣቅሑት ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ንቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ማይን መዓድንን ኢነርጂን ወረዳ ዓድዋ ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ህንፃ ምጉዕዓዝ ከባብያዊ ማተሪያል እምኒ፣ ሑፃ፣ ጃህያን ሲሚንቶን : ከምኡውን ካዕቲ ማይ ማእኸላይ ናይ ጎዳጉዲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ከጎዓዓዝን ይደሊ።