ትካል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ ማእኸል መቐለ ተረፍ ምህርቲ ዝኾነ ቁርፅራፅ ፕላስቲክ ፖሊፖፕሊን በዝሒ ዘለዎ ኣጫቀሪቱ ክሸይጥ ስለዝደለየ ንቶም ኣብ ታሕቲ ዝቅመጡ ዝርዝር መዐቀንታትን መስፈርታት እተማልኡ ኣብዚ ጨረታ ንምስታፍ ድልየት ዘለኩም ብምዕዳም ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፉ ትካላት ይኹኑ ውልቀ ሰባት እዞም ዝስዕቡ መስፈርቲ ዘማልኡ ክኾኑ ይግባእ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ሸራሮ ብናይ ፕሮጀክት ልምዓት ምላሽ ፅዕንቶ ስደኛታት ምዕራፍ ክልተ ማለት እዉን ዲኣር ዲኣፒ ክልተ ብዝተረከበ ድጋፍ በጀት መሰረት ኣብ ጠብያ ሰደር ዝርከብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህቲ ሐደ ብሎክ በዓል ኣርባዕተ መምሃሪ ክፍሊታት ብህድም ከስርሕ ስለዝደለየ ደረጃ 8 ልዕሊኡን ብስራሕቲ ህንፃ ኮስትራክሽሽ ማለተ እዉን BC ወይድማ ብስራሕቲ ህንፃ ኮንስትራክሽን መንገድን ማለት GC ፈቃድ ስራሕ ዘለኩም ኮንትራክተራት ወይ ተጫረቲ ኣወዳዲሩ በቲ ዝተዳለወ ዲዛይንን እስፐስፊኬሽንን ሙሉእ ህንፀቱ አብ 2016 ዓም ክፍፅም ይደሊ

ፖሊ ቴክኒኮ ኮሌጅ ማይጨዉ ኣብ 2016 ዓም በጀት ዓመት ንምምሃር ምስትምሃር ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሒ ህንፃ ወይ እዉን ማኒፋክቸሪንግ ኮንስትራካሽን : ዋተር ቴክኖሎጂ : ኤሌክትሪካል ቴክኖሎጂ: መሳርሒ ፅሕፈት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኣብ ኤጀንሲ ልምዓትን ምምሕዳርን ኣባይቲ ክልል ትግራይ ኣብ ናይ 2016 ዓ.ም በጀት ዓመት ኣብ ክፍለ ከተማ ዓይደር ዝርከብ ናይ ተካረይቲ ሴፕትክ ታንክ/Septic tank/ን ኣብ 1ይ ወያነ ዝርከብ ቤሮ ፅገናን ስራሕቲ ዘፈር ኮንስትራክሽን ንምስራሕ ብደቀቕትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት ብደረጃ ዓሰርተBC-10 ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት / GC-10 ብደቀቕትን ንግዲ ትካላት ብርኪ ፍቓድ ናይ ኮንስትራክሽን ማሕበራት ብግልፂ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ሸራሮ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዝተዋደደ መሰረተ ልመዓት ኣብ ናይ 2016 በጀት ዓመት ኣብ ጣቢያ ሙሴን ሰድሪን ዝርከብ ዋንነቱ ናይ ቤት መዘጋጃ ሸራሮ ዝኮነ ናይ ጎደና መብራህቲ ፅገና ንምስራሕ ፍልፍል በጀቱ ድማ ናይ ቤት መዘጋጃ ከተማ ሸራሮ ብደረጃ ወይ እዉን ብርኪ 8 ፍቃድ ደቀቅቲ ትካላት ንግዲ ናይ ኤሌክትሪክን ኤሌክትሮ መካኒካል ስራሕቲ ብግልፂ ጨረታ አጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ማይ ፀብሪ ብናይ 2016 ዓም በጀት ዓመት ተጠቂሙ ኣብ ከተማ ማይፀብሪ ዝረከባ ዝተፈላለየ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ንዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ : ናይ ፅሬት ኣቅሑት : ናይ ኤሌክትሮኒከስ መሳርሒታት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ማሕበርና ማሕበር ሰላም ሓፈሻዊ ንግዲ ዕዳጋ ማእኸል መቐለ ንማሕበርና ፕሮጀክት ፕሮፖዛል ብጨረታ ክነስርሕ ንደሊ

ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ድምፂ ወያነ ትግራይ ንኣብያተ ዕዩ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ኣቅሑት መሳርሒታት ኮምፒተር : ካልኣይ ናይ ካሜራ መሳርሒ ታት ወይ እዉንኣክሰሰሪ : ሳልሰይ ዕድጊት ካሜራ : ናይ ላፕቶፕ ባትሪ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ናይ ህንፃ ስራሕቲ መፀባበቂ ስራሕ ማለት መሬት ምንፃፍ :ናይ ላብራቶሮ መሳርሒ ኣቅሑትን : ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ኣብ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቤት ፅሕፈት ፕሪዝደንት ዳይሬክቴሪት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ግልጋሎት እንህቦም ኣብያተ ፅሕፈት ካብኔ ሲክታሪያትን ፕሪስ ሰክሪታሪያትን ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቅሑት ስራሕቲ ዕንፀይቲ ወይድማ ፈርነቸር ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ