ትካልና ማይጨዉ ስራሕቲ ፓርቲክል ኃ/ ዝተ /ዉ /ኩባንያ አብ እ /መኮኒ 2 ሳይት ዉለማን ኣብ ብሎክ ኦፍላ ሳይት ግራብቁፅን ብዶዞርን ኤክስካቫተርን ተጠቂሙ ጊዚያዊ መንገዲ / Access Road/ ንምፅራግ ዝደለየ እንትከዉን ኩነታት ናይቲ መንገዲ በብሳይቱ ድማ ከም ዝስዕብ ንምግላፅ ተፈቲኑ ኣሎ ኣብ ብሎከ ኦፍላ ክስራሕ ዝተሓሰበ መንገዲ ኮረም 16 ኪ/ሜ ናብ ኣንፈት ደቡብ ምዕራብ ርሕቅ ዝርከቡ ኮይኑ እቲ ብዶዞር ዝፅረግ 5500 ሜትሮ ምኻኑን ብኤክስካቫተር ዝፅረግ ድማ 100 ሜትሮ ኮይኑ 2000 ሜትሮ ድማ ዝፅገን መንገዲ ኣለዎ ብተመሳሳሊዉን ኣብ ብሎክ እ/መኮኒ ዝስራሕ መንገዲ ድማ ካብ ከተማ ኮሮም ከባቢ 24ኪ/ሜ ናብ ኣንፈት ሰሜን ኮይኑ ካብ ኮሮም ናብ ማይ ማዕዶ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ይርከብ ናይዚ ዝስራሕ መንገዲ ንዉሓቱ ድማ 6750 ኮይኑ ከባቢ 200 ሜትሮ ድማ ዝፅገን መንገዲ ኣለዎ ስለዚ ትካልና ጠቅላላ ኣብ ክልቲኡ ሳይት 12350 ሜትሮ መንገዲ ንምፅራግ ስለዝደለየ ካብ 305 ንላዕሊ ናይ ፈረስ ጉልበት ዘለዎ ዶዞር ማሽን ብጨረታ አወዳዲሩ ክካረ ይደሊ ስለ ዝኮነ ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ ትደልዩ ናይ ዶዞር ማሽንን ኤክስካቫተርን ኣካረይቲ እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ን 10 ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ማይ ጨዉ ኣብ ዝርከብ ኩባንያና ወይ ድማ መቀለ ቀበሌ 16 ፎቶ ደስታ ፊት ለፊት ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈትና ብምምፃእ ብብር 100.00 ጨረታ ሰነድ ምግዛእ ትክእሉ ምካነኩም ንገልፅ

ትካልና ኢዛና መዓድን ልምዓት ኩባንያ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከባቢ ሜሊ ንዝሃነፆ ናይ ወርቂ መዓድን ግልጋሎት ትውዕል ማሽነርታት ብግልፂ ጨረታ ቁፅሪ MGP/030/2019 ኣወዳዲርና ንሽድሽተ (6ተ) ኣዋርሕ ክንካረ ስለዝደለና ብቅዓት ዘለኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ምክባር ደንቢ ከ/መቀለ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ሎደር ክራይ ግልጋሎት ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብፕሮፎርማ አወዳዲርና ክንገዝእ ንደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ፅሬትን ፅባቀን ከተማ መቀለ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ዶዘር ኪራይ ግልጋሎት ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክንግልግለ ሰለዝደለና ንክትወዳደሩ ንዕድም

ትካልና ኢዛና መዓድን ልምዓት ሓ.ዝ.ው.ኩባንያ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ከባቢ ሜሊ ንዝሃነፆ ናይ ወርቂ መዓድን ግልጋሎት ትውዕል ሎደር ብግልፂ ጨረታ ቁፅሪ MGP/030/2019 ኣወዳዲርና ንሽድሽተ (6ተ) ኣዋርሕ ክንካረ ስለዝደለና ብቅዓት ዘለኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ማሕበር መቐለ ህንፃ መሳረሒ ዕዳጋ ማእከል ኣበ ከባቢ ላጪ ንዘስርሖ መሸጥን መክዝንን ህንፃ መሳርሒ ሓመድ በዚ ዝስዕብ ኣጫሪቱ ከልዕል ይደሊ፡፡

ማሕበር መቐለ ህንፃ መሳርሒ ዕደጋ ማእከል አብ ከባቢ ላጪ ዝስረሖ ሳይት አብቲ ቦታ ዝርከብ ሓመድ ከልዕል ሰለ ዝደለየ በዚ ቐሪቡ ዘሎ ዋጋ መቅረቢ መሰረት

ቤት ማዘጋጃ ክፍለ ከተማ ኩሓ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ዋንነቱ ብናይ ከባቢያዊ ልምዓት ዝኮነ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ናይ ሶዲየም ሼክሴር ምስ ኣምፕሉን ንምግዛእ ናይ ጋራጃት ስራሕቲ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ማሽናት ማለት ኢኤ ኤክስካቫተር፣ ሎደር፣ ግሪደር፣ ሩሎ፣ ናይ ማይ ቦጥ ፣ ነዳዲን ካልኦት ዘድሊ ነገር ብመቅረባይ ዝኮነ ክካረይ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ኣካላት ክትሳተፉ ይዕድም ፡፡

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ ን2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓብይ ዓዲ ብጃይካን ክስራሕ ተታሒዙ ስለዘሎ ቅድሚት ቦታ ክንፀር ስለዝተደለየ ድሕሪ ኮሌጅ መምህራን ኣመራርሓ ትምህርትን ዓብይ ዓዲ ዘሎ ሓመድ ናብ መሰናድኦ ናብ ኣንፈት ሰሜን ቅድሚ ሐዚ ቤት ህንፀት ዝነበረሉ ከባቢ ዝርከብ ሽንጥሮ ንምድፋእ ሲኖትራክ 16 ሜ3 ክትሕዝ ትክእል ብፀዓኒት ማለት ሎደር ከቅርብ ዝክእል በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ መቅረብቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም፡

ኣብ ክፍለ ከተማ ዓይደር ከ/ስ/ከ/ል/ ዝርከብ ናይ ማሽነሪ ክራይ ግሪደር፣ ዶዘር/ ኤክስካቫተር፣ ማይ ቦቴ /shower track/ ዳምትሪክ 16m3 ንሎደር 2016 ክራይ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እረማልኡ ክትሳተፉ ንዕድም፡፡