ቤት ፅሕፈተ ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ እምባ ኣላጀ ንወረዳና ግልጋሎት ዝዉዕሉ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ዝተፈላለዩ ናይ ሕትመት ስራሕቲ፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ፣ ኣቅሑት ኮምፒተርን ተዛመድቲ ኣቅሑትን ፣ ኣቅሑት ዕጥቂ ስፖርት ፣ ናይ መኪና ፅገናን ናይ ኢድ ሞያን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ከስርሕን ስለዝደለየ ኣብዚ ጨረታ ንምስታፍ እትደልዩ ነጋዶ ካብ ዕለት 12/12/2012ዓ/ም ክሳብ 26/12 /2012 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ እምባ ኣላጀ ኣብ ወረዳና ከይዲ ስራሕ ምምሕዳር ንብረትን ብምዉሳድ ንክትጫረቱ ንዕድም

ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ከተማ ማይጋባ ኣብ 2013ዓ/ም በጀት ዓመት ኣብ ከተምኡ መሰረተ ልምዓት ንምስፍሕፋሕ ትራንስፎርመር ንምግዛእ ስለዝደለየን ኣብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ብምቅራብ ትራንስፎርሞርን ብተመሳሳሊ ዓዉዲ ዝተዋፈርኩም ነጋዶን ዉልቀ ትካላትን ንክትወዳደሩ ብክብሪ ይዕድም

ትካልና ቴካፍ ትሬዲንግ ሓላ/ዝተ/ዉ/ማሕበር ንመለዋወጢ ኣቅሑት ትራክተራት ፣ ሶናሊካ፣ ንኤጄንት ወይ ድማ ንዉክልና አወዳዲሩ ብክንትራት ወይም ድማ ብግዚያዉነት ከስርሕ ይደሊ

ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ ኣብ ክልልና ካብ ዝረከባ ላዕሎዎት ሆስፒታላት ንሰራሕተኛታት ዘድልዎ ዝተፈላለዩ ናይ ሕክምና ግልጋሎታት ንምርካብ ብግልፂ ጨረታ ክወዳደር ሰለዝደለየ ካብዚ ቀፂሊ ዘሎ መስፈርት እተማልኡ ትካላት ክተወዳደሩ ንዕድም

ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ነቲ ቤት ፅሕፈት ን 2012ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ናይ መኪና ስፔር ፓርት ካብ ሕጋዉያን መቕረብቲ ብዘርፉ ዝተመዝገቡ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ናይ ዉዕሊ ብምእሳር ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቃሕታት እተማልኡ ንክትጫረቱ ይዕድም

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ዝዉዕል ካብዚ ንታሕቲ ዝተጠቀሱ ዓይነት ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ፣ ናይ ፅሕፈት መሳርሕን ፣ ናይ ፈርኒቸር ኣቅሑት ፣ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጎማን ናይ መኪና ፣ ዝ/ዩ መፃሕፍትን ናይ ቆልዑት ፣ ሞተር ሳይክላት ብጨረታ አወዳዲራ ክትገዝእ ትደሊ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ንናይ መኪና መፀገኒ ዝኮዉን ጋራዥን ፣ ንሞተር ሳይክል ዝፅግን በዓል ሞያን ከምኡ እዉን ንፅገና ኮምፒተርን ተዛመድትን በዓል ሞያ ዝፅግን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ክንዕድግ ንደሊ፡፡

ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ኣክስዮን ማሕበር ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ናይ 2013ዓ/ም በጀት ብቤት መዘጋጃ ከተማ መረ ሚኢቲ ስራሕቲ ግልጋሎት ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑትን ፈርኒቸርን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ዕድጊት ይደሊ

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓድዋ ኣብ 2013ዓ/ም በጀት ዓመት ንሰራሕተኛታት ኣጎልግሎት ዘዉዕሉ ሰርቪስ ማለት እዉን ኣጎልግሎት መጋዓዝያ እትህብ ኣዉቶብስ መኪና ኣወዳዲሩ ክካረ ስለዝደሊ ክትጫረቱ እትደልዩ ሕጋዉያን ነጋዶ ንክትጫረቱ ይዕድም ንሆስፒታል ዓድዋ ሰራሕተኛታት ኣጎልግሎት እትህብ ሰርቪስ ኣዉቶብስ መኪና ምቅራብ ፣ ዓይነት መኪና ኣዉቶብስ በዝሒ እትሕዞ ሰብ 60 ወናብር ዘለዋ ፣ ናይ ሓደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ከቅርብ ዝክእል