104. 4 ሬድዩ ኤፍ ኤም መቐለ ን2012 ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ኣቅሑት ማለት 1 ዝተፈላለዩ ናዉቲ ኤሌክትሪክ 2 ዝተፈላለዩ ናዉቲ ኤሌክተሮኒክስ 3 መሳርሕታት ፅሕፈት 4 ዝተፈላለዩ ፈርኒቸር 5 መሳርሕታት ህንፃ 6 ከምኡ ወን ዝተፈላዩ ንሰራሕተኛታት ዝዉዕል ዓብይ ኒዶ ፀባን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ጥላሁን ይግዛዉ ቴክኒክን ሞያን ኮሌጅ 2012 ንሆቴል ማናጅምንት ንስልጠና ግልጋሎት ዝዉዕል ዝስዕብ ንብረት ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ ስለ ዝኾነ ድማ ዝምልከተኩም መቕረብቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ፕላንን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ም ንወረዳና ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ቀለብ ደርሁ ምጥን ፣ ህንፃ መሳርሒ ኣቅሑ፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤

ንሆስፒታል መቐለ ግልጋሎት ዝዉዕል ኒዶ ፀባ ፣ ብርስን ፣ ፊኖ ክገዝእ ይደሊ በዚ መሰረት ካብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋዉያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ካብዚ ንታሕቲ ብዝተጠቀሰ ረቃሒ ኣማሊኡ ኣብዑር ከቅርበሉ ዝኽእል ካብ ዉልቀ ይኩን ካብ ማሕበራት ኣወዳዲሩ ብምልክታ ክዕድግ ይደሊ ዕድመ ማእኸላይ ካብ 6ተ ዘይበልፅ ትሕዝቶ ሰዉነቱ ሙሉእ ጥዕና ሙሉእ ክብደቱ ልዕሊ 300 ኪግ ስጋ ምስ ዓፅሙ ስጋ ብዘይ ዓፅሙ

ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣክሱም ን2012ዓ/ም በጀት ዓመት 1 ኣቅሑት መለዋወጢ መኪና 2 ንቀለብ ደርሁ ዝዉዕሉ እታዎታት 3 ኣቅሑት መሳርሒ ህንፃ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ በዚ መሰረት ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣክሱም ከ/ዕ/ፋ/ን/ም/ር ካብ ቢሮ ቁፅሪ 1 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 03/02/2012ዓ/ም ክሳብ 18/02/2012ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ኣብ ዘሎ ግዜ ክወስዱ ይክእሉ

ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ሮቢንሰን ኣብ 2012ዓ/ም ዘበነ ት/ቲ ንቤት ትምህርትና ተምሃሮ ግልጋሎት ዝዉዕል ፀባ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሰርሕ ይደሊ ስለዚ እዚ ግልጋሎት ንምሃብ ድሌት ዘለኩም ዝስዕቡ ረቓሕታት እተማልኡ ነጋዶ ኣብቲ ጨረታ ንክትሳተፉ ንዕድም

ኣብ ቢሮ ጉ/መ/ስ ትግራይ ማእከል መሰልጠኒ ኣትሌቲክስ ማይጨዉ ብዕለት ዝተሓተተ ንማእከል መሰልጠኒኣትሌትክስ ማይ ጨዉ ንኣትሌታት ምግቢ ዝኸዉን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለ ዝደለየ ኣብ ናይ ምግበኪ ሸቐጣትን ንግዲ ዘርፊ ዝተዋፈርኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ሓድነት ንናይ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ንተጠርተርቲ ዝዉዕል ባኒ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘረ ረቃሒ ተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብታ ወረዳ ጣቢያ ኣዳመይቲ ቁሸት ሰላሞ ንዝኳዓት ዓሟቅ ጉድጎድ መስተ ማይ ንደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ዝኮንኩም ከምእዉን ኣብ ወረድኡ ዝርከባ ማእከሎት ተሽከርከርቲ መካይን ፅገና ፣ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት መቅረብትን ፣ ንስራሕቲ ሕትመት መቅረብቲ ፣ ናይ ደርቅ ፅዕነት ተሽከርከርቲ መቅረብቲ ፣ ዓምታዊ ኣብቲ ወረዳ ዝርከቡ እሱራት ቀለብ ባኒ መቅረብትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕን ክዕድግን ይደሊ።