ንዝተፋላለዩ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ቤት ፅሕፈት ንብረታት ማለት እዉን ፅሬት ኣቑሑ ኤሌክትሮኒክስ ሞተር ሳይክል፥ናይ ሞተር ሳይክል ጎማ ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪትና ክንገዝእ ስለዝደለና ነዚ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም፡፡

መሓዙት ዕቋርን ልቃሕን ሓ/ዝ/ሕ/ስ/ማሕበር ንመቐለን ኣብ ካልኦት ከተማታት ትግራይ ንዝኸፈተቶም ጨንፈር ቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕል ቢሮ ኣቁሑት /ፈርኒቸር/ ኤለትሮኒክስን ዕሕፈት መሳርሒን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ፣፣ ስለዚ እዞም ዝስዕቡ ረቋሒ እተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም፣

ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ትግራይ ትሕት ክብል ዝተዘርዘረ ናይ ኤሎትሮኒክስ ኣቅሑት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ /ክገዝእ/ ይደሊ ስለዙይ በቲ መስመር ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ዘለኩም ትካላት ክትወዳደሩ ይዕድም:-

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንዋና ቤት መዛገጃ ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕሉ ላፕቶፕ ኮምፒተራት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍዕም ንደሊ።

ቤት ፅሕፈት ወረዳ ኢሮፕ ንመባእታዊ ሆስፒታል ዶሃን ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን: ከምፖተራትን ተዘመድቲ ኣቅሑትን : ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈትን : ሕትመትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ እምባ ኣላጀ ነቲ ወረዳ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈት : ኮምፒተርን ተዛመድቲ ናዉቲን ብግልፂ ብጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ንቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ከይዲ ስራሕ አገልግሎት ምሕደራ መሬት ፅሕፈት መሳርሒ: ኣቅሑትን ኤሌክትሮኒክስ ዕድጊት ናይ ቤት ፅሕፈት መጎዓዝያ ኢሉድማ ኣቅሑት ቢሮነ ገዛን ዕድጊት ን2016 በጀት ዓመተ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ኣብ 2016 ዓ/ም በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ናይ ኤክትሮንስን ፅሕፈት መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስ ወረዳ እንደርታ ነዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ን ናይ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ወረዳ እንደርታ ግልጋሎት ዝውዕል ካብዚ ንታሕቲ ናይ ኤሌክትሮኒክስ መለዋወጢ ኣቅሑት ብፕረፎርማ ኣወዳዲሩ (ግልጋሎት) ክረክብ ወይ ክዕድግ ስለ ዝደሊይ

ማሕበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን ክልል ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኣብ ታሕቲ ተዘርዝሮም ዘላዉ ዘገልገለ ኣቑሑት ኣብ 2016 ዓ/ም ንደቀቐቲን ኣናእሽቶይን ማሕበራት ፣ሕጋውያን ነጋዶን ኻልኦት ሕ/ሰብን ኣጫሪቱ ክሰይጥ ይደሊ።