ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ብናይ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት በጀት ዝክፈል ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ናይ ኤሌክትሪክን ፣ ናይ ኮምፒተርን ኮምፒተር ኣክሰሰርን፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ ኣቅሑት ናዉቲ ቢሮ/ፈርኒቸር/ ፣ ከምኡ እዉን ብናይ ቤት ፅሕፈት ማይን ማዓድንን ኢነርጅን ብናይ መደበኛ በጀት ዝክፈል ኣብ ጣብያ ዝባን ገደና ዝስራሕ ናይ መስኖ መሰጋገሪ ማለት እዉን ክሮሲንግ ካናልን ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ዝስራሕ 12 ማእኸለዎት ጎዳጉዲ መስተ ማይን ከምኡዉን ብናይ SLMP በጀት ዝኽፈል 2ተ ናይ ሓባር ዒላታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለ ዝደለየ ነዞም ቅድም ኢሎም ዝተገለፁ ዝምልከት ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን ነቲ ናይ መስኖ መሸጋገሪ ማይ ማለት እዉን ክሮሲንግ ካናል ናይ ማይ ተንከፍ ስራሕቲ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ደረጃ 10 ደቀቕቲ ዝኮንኩምእተን 12 ማእኸለዎት ጎዳጉዲ ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ከምኡ ዉን ነተን 3ተ ናይ ሓባር ዒላ ደረጃ 11 ደቀቅቲ ዝኮንኩም ነዞም ዝስዕቡ ዝተዘርዘሩ ረቃሕታት እተማልኡ ኮንትራክተራት ክትወዳደሩ ይዕድም