ሆስፒታል ዉቅሮ

ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ

1 ዝተሓደሰ ናይ እንዳ ሻሂ ፣ቁርስ ቤት ፣ካፍቴሪያ ፣ምግቢቤት/ሬስቶራንት/ ፣ሆቴልን ኮፊ ሃውስን ተመሳሳሊግልጋሎት ንግዲ ስራሕ ፍቃድን ቲን ናምበርን ዘለዎሀ. ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ነጥብታት

2 ሻሂ ማሽን ፣ፍርጅ ከምኡውን ካልኦት ካብቶም ኣብ እንዳ ሻሂ ሆስፒታል ዝርከቡ ናይ ሆስፒታል ኣቁሑት ምስ እዚ ብድሕሪት ተተሓሒዞም ዘለው ወፃኢ ናይ ባዕሉ መሳርሒ ኣቁሑት ከቅርብ ዝኽእል

3 ብናይ ሆስፒታልና ሳኒተርያል መምርሕን ሕግን ክፍፀም ዝክእል

4 ኣብ እንዳ ሻሂ ሆሰፒታል ውቅሮ ውዕሊ ተኣሲርሎም ዝሽየጡ ንናይ ውሽጢ ሆስፒታል ሰራሕተኛን ተገልጋላይን በቲ ውዕሊ ዝኣሰሮ ዝመልኦ ዋጋን በማዕረ ዝሸይጥ

5 እቲ ሰነድ ተመሊኡ ዝቀርበሉ ካብ ዕለት 08/01/2011 ዓ/ም ዓርቢ 22/01/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ይኸውን

6 ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት 22/01/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት እሱ ሰዓት 4:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት

7 ሰነድ ጨረታ ካብ ደ/ከ/ስራሕ ዕ/ፋይ/ንብ/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 1 ብር 30 ከፊልካ ምውሳድ ይከኣል።

8 ጨረታ ዘሸነፈ ሰዓራይ ምኻኑ ካብ ዝተነገረሉ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሩ ስራሕ ክጅምር ዝኽእል

9 ተጫረትቲ ንጨረታ መኸበሪ 3000/ሰለስተ ሽሕ ብር/ ብጥር ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል

10 ነቲ ዋጋ ክራይ ንምምላእ እቲ እንዳ ሻሂ ውቅሮ ሆስፒታልን አብኡ ዘለው ኣቁሑትን እናመፃእካ ምርኣይ ይከኣል።

11 ክራይ እንዳሻሂ በቢወርሑ ዝኸፍል ይኸውን። ተጫረትቲ ብዘይምርካቦም ጨረታ ኣይተኣጓጎልን

12 ዝርዝር ኣብቲ ሆስፒታል እንዳ ሻሂ ዝቀርብ ዓይነት ምግብታት ዝሑል ሉስሉስ መስተታትን ዝሓዘ ሰነድ ካብ ሆስፒታልና ቢሮ ቁፅሪ 1 ብምውሳድ ናይ ሕድሕድ ዋጋ ተመሊኡ ጠቅላላ ድምር ናይ ዝተመልአ ዋጋ ዝተሓተ ንወስድ /ሰዓራይ/ ንገብር ምዃና

13 ናይ ሕድሕድ ዝርዝር ዝተመልኦ ዋጋ ጠቅላላ ድምር ዝትሓተ ተወሲዱ ነዚ 80% ነጥቢ ንህቦ ምዃንና

14 ክራይ ናይ እቲ እንዳ ሻሂ ካብ ሆስፒታልና ምስ ዝርዝር ዝቀርብ ምግብታት ሉስሉስ መስተታትና ካልኣይ ገፅ ዝተተሓሓዘ ኮይኑ ነዚ ድማ ሆስፒታልና በቲ መከፈቲ ዕለትን ሰዓትን ካብ ዘወፀኦ (ዘመሰኖ) መበገሲ ዋጋ 20% ክራይ እንዳሻሂ ዝወሃብ ነጥቢ ይኸውን።

15 ብኮሚቴ ዝተወሰነ መበገሲ ዋጋ ናይቲ ክራይ እንዳሻሂ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ተጫረትቲ /ወኪሎም/ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ መኽፈቲ ዕለትን ሰዓትን ዝንገር ይኸውን። እዚ ማለት ትሕቲ–––––––––––ዝመልአ 5% ካብ–––––––––ክሳብ---------10% ልዕሊ––––––––––ዝመልአ 20% ተባሂሉ ይግለፅ።

16 ሰዓራይ ምኻኑ ዝተነገረሉ ተጫራታይ እቲ ውዕሊ ክሳብ 30/10/2011ዓ/ም ውዕሊ ዝእሰር (ዝፀንዕ) ኮይኑ ከከም ኩነታቱ ብናይ ክልቲኦም ተወዓዓልቲ ወገናት ስምምዕነት ንቀፃሊ ዓመት ዝቅፅል ወይ ዘቋርፅ ምዃኑ ክፍለጥ ዘለዎ ኮይኑ ውዕሊ ተቀባሊ(ሰዓራይ ጨረታ) ካብ ውዕሊ ዝኣሰረሉ ወፃኢ ክፍፅም እንተተረኪቡ ግና ቤት ፅሕፈት ኣብ ዝኮነ ገዜ ተኸታታሊ ምምሕዳራዊ ሰጉምቲታት ድሕሪ ምውሳድ ክሳብ ምብራር ከም ዝክእል

17 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ በኽፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምሰራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ ።

ለ. ናይ ተጫረቲ መምርሒ

1 ብዝተፈላለየ መልክዑ እዚ ጨረታ ከዛብዑ ዝፍትኑ ተጫረትቲ አቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጨረታ ወፃኢ ገይሩ ንቀፃሊ ከይሳተፍ ይገብር

2 ተጫረትቲ ድሕሪ ሳፁን ጨረታ ምኽፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፍቀድን ንዝበለ ዘትሓዞ ትሕጃ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይኸውን(ኣይምለሰሉን

3 ተጫረትቲ ኣብ ዘቅረበዎ ደኩመንት ሽሞምን ፊርመኦምን ከምኡውን ማህተም ከስፍሩ ኣለዎም

4 ተጫረትቲ ኣብ ዘቅረብዎ ደኩመንት ሰረዝ ድልዝ ክህሉ የብሉን

5 ካብ ዝተቀመጠ ረቋሕን መምርሕን እዚ ጨረታ ካልእ ኣማራፂ ምጥቃም ኣይከኣልን (ኣይፍቀድን)

6 ዘእተውዎ ( ዘመልእዎ) ዊዝ ሆልዲንግ ተክስ፣ቲኦቲን ካልእ ንመንግስቲ ኣታዊ ዝኸውንን ተደሚሩ ክቀርብ ኣለዎ። አዚ ማለት ብመምርሒ መሰረት ንመንግስቲ ዝክፈል እንተሃልዩ ማለት እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-430057 ምደዋል ይከኣል