ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ

ምልክታ ጨረታ

ማሕበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን ክልል ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኣብ ታሕቲ ተዘርዝሮም ዘላዉ ዘገልገለ ኣቑሑት ኣብ 2016 ዓ/ም ንደቀቐቲን ኣናእሽቶይን ማሕበራት ፣ሕጋውያን ነጋዶን ኻልኦት ሕ/ሰብን ኣጫሪቱ ክሰይጥ ይደሊ።

➢ እዚ ጨረታ ኣብ ኩለን _ ወረዳታት ትግራይ ዘለዉ ደቀቕቲን ኣናእሽቶንን ማሕበራት፣፣ሕጋውያን ነጋዶን ካልኦት ሕ/ሰብን ክጫረቱ ይኽእሉ እዮም።

➢ ጨረታ ዝሰዓሩ ተጫረቲ ውዕሊ ካብ ዝፍፀመሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 ተኸታታሊ ማዕልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ንብረቶም ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ከልዕሉ ኣሎዎም።

➢ ጨረታ ሰነድ ኣታዊ ዝግበረሉ ኣብ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን ክልል ትግራይ ከይዲ ሰራሕ ዳ/ዳ/ዕ/ፋይ/ን/ምም ንኡስ ከይዲ ዕደጋ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ምእታው ይኽእሉ።

➢ ኩሎም ተጫረቲ - ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 21/09/2016 ዓ/ም ክሳብ 30/09/2016 ዓ/ም ኣብ ክ/ከተማ ሓወልቲ ጣብያ ሰላም ናይ ሓባር ህንፃ ቢሮ ማ/ጉ/እ/ም/ክ/ት ዳ/ዳ/ዕ/ፋይ/ን/ምም 1ይ ደብሪ ኣድላዪ መረዳእታ ብምሓዝ ብር 30 /ሳላሳ/ ክፍሊት ብምፍጻምን ክወስዱ ይኽእሉ እዮም።

➢ ተጫረቲ ናይ ዝተጫረትሉ ዋጋ ዝሓዘ ደኩመንቲ ምስ 30 ቕርሺ ዝኸፈለሉ ደረሰኝ ፎቶ ኮፒ ኣብ 2 ፖስታ ምስ ኣሸጉ ናይቲ ዝጫረት ሰብ ሽም ማሕበር ወይ ትካል ኣብ ሊዕሊ እቲ ፖስታ ይፀሓፍ።

➢ ብመፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባህሉ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ክሳብ ዕለት 30/09/2016 ዓ/ም ሰዓት 03፡00 ቕድሚ ሰዓት ምስተዓሸገ ክኣትው ይግባእ።

➢ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 30/09/2016 ዓ/ም ሰዓት 03፡00 ቅድሚ ሰዓት እንኸውን ብተመሳሳሊ ማዕልቲ ሰዓት 3፡30 ይኸፈት።ኣብ በዓል እንተውዕሉ ኣብቲ ዝቕፅል ማዓልቲ ይኽፈት፡

➢ ተጫረቲ ኩነታት እቶም ንብረት ኣብ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ቢሮ ማ/ጉ/እ/ም/ክ/ት ዳ/ዳ/ዕ/ፋይ/ን/ምም ኣብ ዝርከብ ሓበራዊ ህንፃ ተረኸቦም ካብ ዕለት 21/09/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 30/09/2016 ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክርኡ ይኽእሉ እዮም።

➢ ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቐረቡ ቅጥዒታት ብትክክል መልኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ዶኩመንቲ ፈሪማ፣ ማህተምን ገይሮም ዓሽጎም ቅደም ሰዓብ እቲ ዶክመንቲ እንተይያዛብዑ ከቕርቡ ኣለዎም።

➢ እቲ ጨረታ ስርዝድሊዝ ዘለዎ እንተኾይኑ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይኸውን።

➢ ናይ ጨረታ መኽበሪ ዝምለስ CPO ወይ ጥረ ገንዘብ ብር 2,000/ክልተ ሽሕ ብር ጥራሕ/ቅድሚያ ከትሕዙ ኣለዎም።

➢ እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዕለት 30/09/2016 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ቕድሚ ሰዓት ኣብ ቢሮ ማ/ጉ/እ/ም ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ይኸፈት።

➢ ኣብዚ ምልክታ ከይዲ ስራሕና ነቲ ፕሮፎርማ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል ሕለዉ እዩ::

➢ ኣድራሻና ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ኮምፕሌክስ ናይ ሓባር ህንፃ ኣብ 1ይ ደብሪ እዩ።

➢ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344417637/0342400158 ደዊልካ መብርሂ ይከኣል እዩ።