ማእኸላይ ቤት ፍርዲ መቐለ

ምልክታ ጨረታ

ኣፈ/ኸሳሲት ወ/ሮ ክንድሓፍቲ ኢታይ ባህታ ኣፈ/ተኸሳሲ ኣይተ ፀጉ ብርሃነ ገ/ሄር፣ ጣልቃ ኣታዊ ኣይተ ኣምሃ በርሀ፣ ኣንበሳ ባንኪ ጨንፈር መቐለ መንጎ ብዘሎ ናይ ኣፈፃፀም ክትዕ ብሽም ኣፈ/ተኸሳሲ ዝፍለጥ ኣብ ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጣብያ ፅንዓት ወያነ ቀጠና 7 ዝርከብ ገዛን ቦታን መዋሰኒኡ ብምብራቕ፦ ኤዲ 18 ብምዕራብ፦ መንገዲ ሰሜን፦ ኤዲ 15 ደቡብ፦ ኤዲ 19 ዝዋሰን 250 ካሬ ሜትር ስፍሓት ዘለዎ በዓል 3' (ሰልሰተ) ደብሪ ዝተሰርሐ ገዛ መበገሲ ዋጋ ብር 4,109,346.71 (ኣርባዕተ ሚልየንን ሓደ ምኢትን ትሽዓንተ ሽሕን ሰለስተ ምኢትን ኣርባዓን ሽዱሽተን 71/100) ምዃኑ ተፈሊጡ ዝጫረት እንተሃልዩ ቀሪቡ ክጫረት፣ ሰዓራይ ኣብ ንሽዑ ምስ መጫረቲ ኮሚቴ ኣታዊ ዝገብርን ዝተረፈ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ጠቕሊሉ ኣታዊ ዝገብር ምዃኑ ተፈሊጡ ኣብ ሽም ምዛር ድማ ንመንግስቲ ዝኸፈሉ ወፃኢታት ሙሉእ ብሙሉእ መሸነፊ ዝኸፍል ምዃኑ ተፈሊጡ ንዕለት 22/04/2016 ዓ/ም ካብ ሰዓት 3:30 ክሳብ 6:30 ቀትሪ ኣብቲ ገዛ ዝርከበሉ ቦታ ቀሪብኩም ንክትጫረቱ ከተማ መቐለ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ እዚ ምልክታ ለጢፉ ኣሎ።

ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ