የትግራይ ክልል ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ቢሮ

ምልከታ ግልፂ ጨረታ

ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገዲን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ኣብ 2007 ዓ/ም በጀት ዓመት ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ቀዋሚ ንብረት ፈርንቸርን ናይ ኤሌክተሮኒክስ ኣቁሑ ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደሊዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቆሒ ክተማልኡ ይግባእ:;

1 ናይ ፈርንቸር : ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት ዝተሐደሰን ተመሳሳሊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም::

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ዝተመዝገብኩምን TIN ሰርተፌኬት ክተቕርቡ ትኽእሉ::

3 ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ መቕረባይነት ሰርቴፌኬት ዘለኩም::

4 ናይ እሴት ታክሲ /VAT/ ዝተመዝገበን ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝከፈልኩምን ናይ ዝከፈሎ ድክለረሽን ከቅርብ ዝክእል::

5 ጨረታ ሰዓራይ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክአስር አለዎ::

6 በቲ ቢሮ ተዳልዩ ዝተወሃቦ መዐቀኒ ስፐስፊከሽን መሰረት ብፅሬት ብመጠን ብጊዜን ብዉዕሉ መሰረት ንብረት ከረክብ ዝክእል::

7 መወደደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብሸምዒ ዝተዓሸገ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ክህልዎ ይግባእ::

8 ተጫረቲ ዘይምለስ 50 ሓምሳ ብር እናኸፈልኩም ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ ር ኣብ ከምፕሌክስ ህነፃ 3 ደብሪ ቁፅሪ ገዛ 179 ካብ 3

9 01/ 5/ 2007 ዓ/ም ክሳብ 19 / 05 /2007 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት እናመፃእኩም ክተእትዉ ትኽእሉ::

10 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ብር 5000 / ሐሙሽተ ሽሕ ብር CPO ወይ ብጥረ ግንዝብ ክተትሕዙ እትኽእሉ:;

11 እቲ ጨረታ ዕለት 19/ 05 /2007 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ ር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዘለዉሉ ይኽፈት ተጫረቲ ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ንምክፋት ኣይታዓናቐፍን::

12 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፈል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

13 እቲ ዝቀርብ ናይ ፈርንቸር ንብረት በቲ ናይ ቢሮ ዘቅረቦ ሳምፕል መሰረት ይከዉን::

14 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0344411052 ደዊልኩም ክትረኸቡ ትኽእሉ ምኻንኩም ንሕብር::