ትግራይ ንግድና ዘርፍ ማህበራት ምክር ቤት

ንኻልአይ ግዜ ዝወፀ ናይ መስታዎትን ብረትን ጨረታ

ቤት ምክሪ ንግድን ዘርፊ ማሕበራትን ትግራይ እዞም ዝስዕቡ ናይ መስታዋትን ብረትን ብጨረታ ኣወዳደዲሩ ክሸይጥይደሊ ::

1 ናይ ገፅ መስታዎት

2 ልሙፅ መስትዋትን

3 LT ብረትን እንትኮን ዝርዝር ሐበሬታ እቶም ክሸጦም ዝደሊ መስትዋትን ብረትን ካብቲ ጨረታ ሰነድ ምርካብ ይካኣል እዩ::

ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝተጠቐሱ መለክዕታት ዝተማልኡ ተጫረቲ ክሳብ 15/04/ 2007 ዓ/ም 11:00 ሰዓት አብዘሎ ግዜ ዝተማልአ ሐበሬታ ብምሓዝ ንክትወዳደሩ ንሓትት::

መለክዕታት /ረቆሒታት

1 ናይ መስተዋትን ብረታ ብረትን ስራሕቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም::

2 ናይ 2006 ዓ.ም ስራሕ ግብሪ ዝኸፈልኩምን ናይ 2007 ዓም ዝተሸደሰ ንገዲ ፍቃድን ንግዲ ምዝገባን ክትቅርቡ ትክእሉ::

3 ብምንግሰቲ ዝወፀ ሐደሽቲ ናይ ንግዲ ኣዋጃት ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ዝገበርኩምን በቲ ቤት ፅሕፈት ዝቐርበልኩም ዉዕሊ ተቐቢልኩም ዝትፍርሙን ብዉዕሊ መሰረት ትግባራዊ ዝትገብሩን::

4 መኽበሪ ጨረታ ካብቲ ዘቕረብኽምዎ ጠቅላላ ዋጋ 2 % ክትቅርቡ አለኩም እቲ መኽበሪ ጨረታ 2 % ዘየቕረቡ ተጫረትቲ ብቐጥታ ካብቲ ጨረታ ይስረዙ::

5 ጨረታ ንተጫረትቲ ክፈቲ ዝኮነሉ ካብ 01/ 04 /2007 ዓ/ም ጀሚሩ ::

6 ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ 15/ 03 2007 ዓም ሰዓት 11:00 ድሕሪ ቐትሪ ኮይኑ ጨረታ ዝኽፈተሉ እዋን 16/ 03/ 2007 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 4:00 ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ተወከልተም አብ ዝትርኸብሉ እንተይኮኑ ዉነ እቲ ጨረታ ቦርድ ኣመራርሐ ስራሕ ጨረታ ኮሚቴ ይክፈት::

7 እቲ ንብረት ዘልዕልሉ መዓልቲ ሙሉእ ክፍሊት ብምፈፃም እቲ ጨረታ ሰዓሪ ምኮኑ ምስተነገሮ አብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ኮይኑ አብቲ ዝተጠቐሰ መዓልቲ ዘይልዕለ ተጫረቲ ግን ዉዕሊ አብ ምእሳር ዘትሓዞ 10 % performance ናብቲ ቤት ፅሕፈት ኣታዊ ኮይኑ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ንከልዕል ይግደድ::

8 ናይቶም መስተዋትን ብረትን ንሽያጭ ዝቀርቡ በዝሒ ብዓይነት የኹን ብቑፅሪ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ቤት ምክሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ልዕሊ አክሱም ሆቴል አብ ዝርከብ ኮንደሚንየም ( ሐበራዊ ህንፃ ሚሊንየም) ብአካል ብምምፃእ ምርኣይ ይካኣል:

9 ናይቲ ኣቕሓ መግዝኢ ዋጋ በቲ አብ ጨረታ ሰነድ ዝወፀ ዝርዝር specification መሰረት ነንሕድሕድ ከቕርብ አለዎ::

10 አብቲ ጨረታ ክትሳተፉ ትደሊዩ ተጫረትቲ 50.00 ብር ብምኽፋል ካብ ቤት ፅሕፈትና ቤት ምክሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ናይ ጨረታ ሰነድ ክትወስዱ ትኽእሉ ጨረታ ሰነድ ዘይገዘእ ተጫራታይ ጨረታ ክሳተፍ አይኽእልን::

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::