ትግራይ የውሃ ስራዎች ጥናት, ዲዛይንና ቁጥጥር ድርጅት

ፕሮፎርማ ምልክታ ስራሕቲ ኦዲት

ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብ ሓምለ 01/2015 ዓ/ም ክሳብ 30/10/2016 ዓ/ም ናይ ሓደ በጀት ዓመት ሒሳብ ምንቕስቓስ ብደገ ኦዲተር ኦዲት ከግብር ስለዝደለየ ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓን ክትትልን ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ እትርከቡ ዝተፈቐደልኩም ውልቀ ኦዲተራትን ኦዲት ትካላትን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ኦዲት ከግብር ስለዝደለየ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለኩም ክትሳተፉ ይዕድም።

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒ

1. ንቤት ዕዮና /ትካልና/ ኦዲት ንምክያድ ዘክእል ብርኪ ሓደ ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ብቕዓት ሞያ ዘለዎም

2. ናይ 2016 ዓ/ም ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓትን ሞያን ከቕርብ ዝኽእል

3. ዝተሓደሰ ንግድ ፍቓድ፣ ቲን ናምበርን ንግድ ምዝገባ ተወሳኺ እሴት ታክስ /ቫት/ ኮፒ ከተሓሕዝ ኣለዎ

4. ኦዲት ዝግበር ሒሳብ ኣብ ቢሮ ኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ መቐለ ከተማ ከባቢ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ ምኳኑ ፈሊጡ ዝሳተፍ

5. ኣብቲ ሰነድ ፕሮፎርማ ተሳተፍቲ ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ማሕተምን ፊርማን ክዓርፎ ኣለዎ

6. ተጫረቲ ምስዚ ሓባሪ ተተሓሒዙ ዝርከብ ዝርዝር ናይ ኦዲት ስራሕቲ ኣንቢብኩም ዋጋ ክትመልኡ ኣለኩም።

7. ፕሮፎርማ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ዕለት 14/2/17 -19/2/17 ሰዓት 3:00

8. ፕሮፎርማ ዝኽፈተሉ ዕለት 19/2/17 3:30

9. ሰዓራይ ዝኾነ ናይቲ ዝሰዓሮ 10% ኣትሒዙ ውዕሊ ስምምዕነት ክፍፅም ዝኽእል 10.ተጫረቲ ኣብቲ ዘቕረብዎ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ክህልው የብሌን እንተሃልዩ ድማ ዝተኣረመ ምኳኑ ብፊርማ ክረጋገፅ ኣለዎ

11. ዋጋ መወዳደሪ እንትመልእ ሻት ዝሓወሰ ክኸውን ይግባእ ፣ ቫት ዘይሓወሰ ምዃኑ ከይገለፀ እንተኣቕሪቡ ምስቫት ዝሓውስ ተገይሩ ዝውሰድ ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ።

12. ኦዲት ፀብፃብን ካልኦትን መረዳእታትን ብዝርዝር ንኢንተርፕራይዝ ህንፀት ስራሕቲ ማይ ትግራይ ከቕርብ ኣለዎ

13. ብኪኢላታት ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ዝወሃብ ሞያዊ ድጋፍን ተቐቢሉ ተግባራዊ ዝገብር፣ ዘይምጥዕዓም እንተጋጥም ድማ በብብርኩ ካብ መራሒ ኣ/ከ/ስ/ምብቃዕ መፅናዕትን ድጋፍን ኦዲት ክሳብ ዋና ኦዲተር ቅሬትኡ ብምቕራብ ይፍታሕ።

14. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ 0342401921 ብምድዋል ወይድማ ዕዳጋ ቐዳም ኣብዝርከብ ቢሮና ብኣካል ብምምፃእ ምጥያቕ ወይ ፕሮፎርማ ምውሳድ ይከኣል።

15. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።