ሱር ኮንስትራክሽን ኋ/የተ/የግ/ማህበር

ናይ ካፌቴርያ ጨረታ ምልክታ

ትካልና ሱር ኮንስትራክሽን ሓላ/ዝተ/ውል/ማሕበር ኣብ መቐለ ላጪ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ናይ ሰራሕተኛታት ካፌቴርያ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቋሕታት ንዘማልኡ ተጫረቲ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ።

1. ተጫረቲ ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ(Tin Number) ዘለዎም ክኾኑ ኣለዎም።

2. ተጫረቲ ንግዲ ፍቃዶም ናይ 2017 ዓ.ም ዘሓደሱ ክኾኑ ኣለዎም።

3. ተጫረቲ ንግዲ ፍቓዶም ብናይ ሬስቶራንት፣ቤት ቁርሲ ወይም ካፌቴርያ ክኸውን ኣለዎ።

4. ተጫረቲ ዋጋ ክመልኡ ከለዉ ካብ ገፅ 1 ክሳብ ገፅ 2 ዘለዉ መምልኢ ቅጥዒ መሊኦም ኣብ ፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ አለዎም።

5. ተጫረቲ ብብቑዓት ሰብ ሞያ ዕሬቱ ዝተሓለወ ምግቢ፣ ውዕይን ዝሑልን መስተ ዘቅርቡ ክኾኑ ኣለዎም።

6. ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00(ሐደ ሚኢቲ ቅርሺ) እናኸፈልኩም እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 30/01/2017 ዓ.ም ሰዓት 10፡00 አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ቤት ፅሕፈትና ጠቕላላ ግለጋሎት ክፍሊ ምውሳድ ይከኣል።

7. ናይ ጨረታ ሰነድ ዕለት 01/02/2017 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ንጉሆ ናብ ላጪ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ሒዝኩም ክትመፁ ኣለኩም። ጨረታ ዝኸፈተሉ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ናይ ንጉሆ ተረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት።

8. ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ሰነድ ዘለዉ ዝርዝር ዓይነት ቁርሲ ዉዕይን ዝሑልን መስተ ኩሎም ናይ ምምላእ ግዴታ አለዎም።

9. አሸናፊ ዝኸውን ተጫራቲ ኣብቲ ሰነድ ካብ ዝቀረቡ ዓይነት ቁርስታት፣ዉዕይን ዝሑልን መስተታትን ብድምር ውፅኢት ዘሸነፈ ይኸውን።

10. ጨረታ ዘሸነፈ ተጫራቲ ውዕሊ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ውዕሊ ክአስር ግዴታ አለዎ።

11. ትካልና ናይ መስርሒ ቦታ፣መብራህቲ፣ ንመተሓፃፀቢ ዝኸውን ማይን የቕርብ።

12. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

አድራሻና ካብ ሓዱሽ መናሃሪያ ላጪ 300 ሜትሮ ንዓዲግራት መውፅኢ መንገዲ ይርከብ።

➢ ስልኪ ቁፅሪ 0914807953/0914026107