ምስክር ክትትል

ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ ደቡብ ምብራቅ
መብርሂ

 ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ ደቡብ ምብራቅ ነዚ ዝስዕብ ክፍቲ ስራሕ መደብ ካብ ደገ ዝውውርን ቁፃርን ሰራሕተኛ ኣወዳዲሩ ክቆፅር ይደሊ፡፡

ትምህርቲ ደረጃ

ብሕጊ ትምህርቲ ዝተመረቀ/ት ዲግሪ መደብ ስራሕ ብዝሓቶ መስመር ሞያ ካብ ቤት ት/ቲ ቴከኒክን ሞያን 10+2 ሰርቲፊኬት ዝተመረቀ/ት ወየ ብዲፕሎማ ዘተመረቀ/ት ወይ ብብርኪ II ዝተመረቀ/ት ወይ 2ይ ዓመት ኮሌጅ ዘወድአ/ት ሰራሕ ልምዲ 9ተ ዓመት ዘለዋ/ዎ

መደብ ስራሕ ብዝሓቶ መስመር ሞያ ካብ ቤት ት/ቲ ቴከኒክን ሞያን ብ10+3 ሰርቲፊኬት ዝተመረቀ/ት  ወይ ብዲፕሎማ ዝተመረቀ/ት ወይ ብብርኪ III ዝተመረቀ/ት ወይ 3ይ ዓመት ኮሌጅ ዝወድአ/ት ስራሕ ልመዲ 7ተ ዓመት ዘለዋ/ዎ

ተደላይይ ክእለት

 በበዓል ሞያ ወሳኒ ኩነት፣ ኣብ ምዝገባን ምርግጋፅ ሰነዳተ፣ ኣብ ምዝገባ ሞት ፣ ልደት፣ ሓዳር፣ ፍትሕ፣ ኣብ ስራሕቲ፣ ስታቲስቲክስ፣ ኣብ ስራሕቲ ስነ-ህዝቢ ንልምዓት፣ ኣብ ዝ/ዩ ፕሮጀክታት ኣብ ላዕላዎት ትካላት ት/ቲ ብመምህርነትምትእክካብን ምውዳብን ምትንታንን መረዳእታ፣ ጣብያ ስራሕ መካየዲ፣ ትልምን ምውፋርን ሓይሊ ሰብ፣ ምም/ር መዛግብትን ሰነዳትን ምም/ር ሰራሕተኛን ጥቅማ ጥቅምን ወዘተ

ልምዲ ስራሕ

መተሓሳሰቢ

1 መመዝገቢ ዕለት ካብ 24/08/2011ዓ/ም ክሳብ 07/09/2011ዓ/ም

2 መመዝገቢ ቦታ ቤት ፅሕፈት ፍትሒ ዞባ ደቡብ ምብራቅ  ምም/ር ሰራሕተኛን ጥ/ጥቅምን ቁፅሪ4

3 ዝቀርብ ናይ ት/ቲ መረዳእታ ምስ ዋንኡን ፎቶኮፒን ስርዝ ድድልዝ ዘይብሉን ዘይምልስን ክቀርብ ኣለዎ፤

4 ሲኦሲ ንዝምልከት ብመምርሒ መሰረት ይፍፀም

5 ፈተና ዝወሃበሉ ዕለት ብምልክታ ይወፅእ፡፡

ኣድራሻ ናይ ቀደም አፀዋውዓ ቀበሌ 17 ማረት ፊት ንፊት ቁሩብ እትው ኢልካ ዝርከብ ዓይ ህንፃ

Share this Post:
ድሕሪት