ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀለምቲ

ተወዳደርቲ ከማልእዎም ዝግብኦም ረቀሕታት

ንስራሕቲ መስኖ ስትራክቸራት ዝወዳደር

ኣብዚ ጨረታ ተሳታፋይ ዝከዉን ደረጃ 7ን ልዕሊኡን ብማይተንከፍ ስራሕቲ ዘለዎ

ንግዲ ፍቃድ ቲን ምስክር ወረቀት ዝተሓደሰ መቅረባይነት ዘለዎን ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን

ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2008 ዓም ዲክለረሽን ሪፖርት ከቅርብ ዝክእል

ዝተሓደሰ ብቅዓት መረጋጋፂ ከቅርብ ዝክእል

ተጫረቲ ቫይብሬተርን ሚክሰርን ሌቭልንግን ከማልኡ አለዎም

ተጫረቲ ናይ ዝጨረትሉ ፕሮጀክት ዋጋ ዝሓዘ ሓደ ዋና ምስ ክልተ ቅዳሕ ብምድላዉ ኣብቲ ዋና ሰነድ ጨረታ ዝሓዘ ፖሰታ ዝተሓተትዎ ሙሉእ ዶክመንት ወይድማ ሰነድ ቅዳሕ ብምግባር ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልንምን ፋይናንስን ወረዳ ፀለምቲ  ንዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክገብሩ ዝክእሉ

ንነፍስወከፍ መጋዕዝያ ተወዳደርቲ ድማ

ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰን ቲን ምስክር ወረቀት ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን ዘሐደሰን ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ክኣቱ ዘይግደድ እንተኮይኑ ድማ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

ሰነድ ጨረታ ንመስኖ ስትራክቸር 150 ቅርሺ ንመጋዕዝያ 100 ቅርሺ ዘይምለስ ከፊልካ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 1 ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል

ትሕጃ ዝምልከት ንነፍስወከፍ ናይ መስኖ ስትራክቸር 15,000 ቅርሺ ብሲፒኦ ወይድማ ሰርቲፋይድ  ዝኮነ ቸክ ወይ ጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

ንመጋዕዝያ ሲሚንቶ 5,000 ቅርሺ ብሲፒኦ ወይድማ ሰርቲፋይድ  ዝኮነ ቸክ ወይ ጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

እቲ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 13 ታሕሳስ 2008 ዓም ዝፀንሕ ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡ 00 ተዓሺጉ ሰዓት 4፡ 30 ተጨረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ብዘይምርካቦም  ሕጊ ጨረታ ዘማለአ ተኮይኑ  ጨረታ ምክፋት አይተዓናቀፍን

እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ  0346620283 ወይድማ 0346620221    ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ