ማእኸል ቤት ህንፀትመቐለ

1 በቢ ስራሕ ዘርፎም ናይ 2011/12 ዓ/ም ዝተሓደሰ ስራሕ ፍቃድን ናይ መቅረባይነትን  መረዳእታ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል።

2 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ንመድሓኒት 5000 ቅርሺ ንእስፖንጅ 2000 ቅርሽን ብጥረ ገንዘብ ወይ ሕጋዊ ባንኪ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎም።

3 ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈትና ሰነድ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ተመሊኡ ብ2ተ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ብምዕሻግ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ኣብ ደ/ከ/ሰ/ዕፋ/ን/ምን ቢሮ ቁፅሪ 6 ከእትዉ ይክእሉ።

4 ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝገልፅ ካብ ዕለት19 /01/2012 ዓ/ም ክሳብ 04/02/2012 ዓ/ም 50.00 ብር እናኸፈሉ ካብ ደ/ ከ/ ስ/ ዕ/ ፋይ /ምም/ር/ን ቢሮ ቁፅሪ 6ተ ክወስዱ ይክእሉ። እቲ ጨረታ 04/01/2012ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረከብሉ ይኹን ኣብ ዘይተረከብሉ ይክፈት።

5 ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳሪ ካብ ጠቅላ ዋጋ ዝሰዓሮ 10 ሚኢታዊ መከበሪ ውዕሊ ዘትሕዘ ኮይኑ ዝሰዓሮ ንብረት ልዕሊ 10000.00 ብር እንተኮይኑ ዊዝ ሆልድ ታክሲ 2% ዝከፍል ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ።

6 መ/ቤትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ዝርዝር ንብረት ጨረታ ብክፈል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-411454 ምሕታት ይከኣል